ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ ብሕማም ዓበቕ ህበይ ዝተለኸፉ ኣስታት 1 ሺሕን 400 ሰባት ረኺበን- ውድብ ጥዕና ዓለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ብሕማም ዓበቕ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ምርካበን ከም ዝሓበራ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣስታት 1 ሺሕን 400 እንትኾኑ፥ ካብዚ እቶም 44 ምልካፎም ዝተረጋገፀ’ዩ ተባሂሉ።
እተን ሃገራት፥ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ላይቤሪያ፣ ካሜሩን፣ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ፣ ናይጄሪያ፣ ኮንጎ ብራዛቪልንን ሴራሊዮንን ከመዝኾና ተገሊፁ።
እዚ ቑፅሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነፃፀር እንከሎ ግና ዝተሓተ ከም ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
እቲ ቫይረስ ናብ ሓደሽቲ ሃገራት ኣፍሪካ እኳ እንተዘየስፋሕፍሐ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግን ጂኦግራፊያዊ ሸፈንኡ እናስፍሐ ከም ዝመፅአ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ክብል ኣናዶሉ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።