ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዝሕደስ ሓይሊ ንምውፋር ከምዝተሰናድኡ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዝሕደስ ሓይሊ ንምውፋር ከምዝተሰናድኡ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ኣለሙ፥ ምስ ኣመራርሓ ኣባላት ኣብታ ሃገር ብሰብሃፍቲ ዝተመስረተን ኣብ ዘፈር ዝሕደስ ሓይሊን ካብ ዝተዋፈረ “10 ግሪን ጊጋዋት ንኢትዮጵያ” ዝተብሃለ ኩባኒያ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ፀሓይ ንምፍልፋል ዘቕረቦ ሓዱሽ ሓሳብ ኢንቨስትመንት ኣድሂቦም ተመያይቶም።
ተወከልቲ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዝገበሩዎ ገለፃ፥ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኩባኒያ ሓይሊ ሶላር ንምኽፋት ዘለዎም ትልሚ ብዝርዝር ኣቕሪቦም።
ኣምባሳደር ረታ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ሃፍቲ ዝሕደስ ሓይሊ ከምዘለዋን ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዝኽል ብምግላፅ፥ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕቐፍ ሕጊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡
ተወከልቲ እቲ ኩባኒያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ ከምዝገብሩ ምግላፆምን ክልቲኦም ወገናት እቲ ትልሚ ንኽዕወት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።