ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ንተግባራዊነት ዝተጣየሸሉ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ቁርፀኛታት ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ንተግባራዊነት ዝተጣየሸሉ ሃገራዊ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ቁርፀኛታት ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ፓርቲታት ፖለቲካን መንግስቲን ብዝበለፀ ቁርፀኛታት ንክኾኑ ፀዊዑ።
እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ እዋናዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ መልእኽቱ፥ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ኣብ ውሽጦም ተዓብዒቦም ብዝፀንሐ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ዝጥምቱ ግን ድማ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ዕልባት ከይተገበረሎም ዝጸንሑን አፈላላያት ሓሳብ ምንባሮም ግሁድ ኢዩ ኢሉ።
ይኹን እንበር ነዞም ዝፀንሑን ሐዚ ዝፍጠሩ ዘለውን ርኡያት ዝኾኑ አፈላላያትን ዘይምርድዳእን ዕልባት ንኸግበረሎም ቆላሕታን አድህቦ ገይርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፁ።
እዚ ንምግባር ድማ ሰፋሕቲ ሃገራዊ ዝኾኑ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳታት ኣሰላሲልካ ንምሓዝ ህዝቢ በብደረጅኡ ንጡፍ ተሳትፍኡ ዘረጋግፀሉ መድረኻት ዝፈጥርን ዘመቻቹን፣ ናይ ሓባር ምርድዳእ ስራሕቲ ንኸህሉ ዘሳልጥ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ከመዝተጣየሸ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ኮሚሽን ስርሑ ካብ ዝጅምር ሰለስተ አዋርሕ ከምዝገበረ ብምግላፅ፥ ክሳብ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዘርዚሩ።
ብመሰረት እዚ፥ ንባዕሉ ዝምርሐሉ ውሽጠ ደንብን መምርሒን ብምስንዳእ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ አካላት ዓርሰ ምፍሳጥ ከምዝገበረን ብሓፈሽኡ ቅድመ ምድላው ስራሕቱ ዓሚሙ ናይ ምድላው ምዕራፍ ስራሕቱ አብ ምጅማር ከምዝርከብ ገሊፁ።
እቲ ኮሚሸን ናይ ምድላው ምዕራፍን ቀፀልቲ ስራሕቱን ንምስላጥ ንሃገራዊ ዋዕላ ምይይጥ ብዕቱብ ውፅኢታዊ ንምግባር እቲ ቐንድን አገዳሲን ኮይኑ ዝርከብ ብብርኪ ሃገር ሰላምን ምርግጋዕን እንተተፈጢሩ ጥራሕ እዩ ኢሉ።
“እዚ ድማ ብሃበ ተረኸበ ዝመፅእ ዘይኮነስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሽማግለታት ዓዲ፣ ደለይቲ ሰላም ዝኾንክን ኣዴታትን መናእሰያትን፣ ናይ ሲቪክ ማሕበራት፣ ውድባት ፖለቲካን ጥንኩርን ውሕሉልን ብዝኾነ መልክዑ ሃገራዊን ከባቢያዊን ዕርቂ ንምውራድ እዋኑ ሐዚ ኢዩ” ኢሉ።
ብምዃኑ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምፍጣር አብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ኩሉ ሰብ እጃሙ ንከወፊ ፃዊዕት ኣቕሪቡ።
ኣብ ሃገርና በብከባቢኡ ዝርአ ዘሎ ጎንፅን ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ብዘይ ውዓል ሕደር ጠጠው ኢሉ ቀንዲ መፍትሒኡ ድማ ናብ ማአዲ ሰላም ቀሪብካ ብምይይጥ ፀገምካ ምፍታሕ ብሕታዊ መማረፂ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኩሉ ሰብ ነዚ ድልው ክኾን ፃፀዊዑ።
“እዚ ጉዳይ እዚ በቀጥታ ዝምልከተኩም አካላትን ደለይቲ ሰላም ዝኾንኩም ማሕበረሰብ ዓለምን ድማ ዕዙዝ ጽዕንቶኩም ክተዕርፉ ንሓትት” ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ፥ ምሁራት፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ሰብ ሙያ ማዕኸናት ሚዲያ ብዛዕባ ምጥያሽ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኢትዮጵያ እንታይነቱን ኣድላይነቱን መሰረት ብምግባር ንህዝቢ ቁምነገር ሓዘል ዝኾነ ሙያዊ ትምህርትን መብራህርሂን አብ ምሃብ ንዝርከቡ አመስጊኑ።
“አብ ቀፃሊ ብዝተኻእለና መጠን ንሕብረተሰብና በቢ ናይ ከበቢኡ ቋንቋ ተበፃሓይ ንምግባር አብ እንሕንፅፆ ዘለና መርሃ ግብሪ ብሓባር ኮይና ንኽንሰርሕ ፃዊዒትና ነቕርበልኩም” ኢሉ።
እዚ ሃገራዊ ኣጀንዳ ተግባራዊ ንምግባር ህዝቢ፣ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ውድባት ፖለቲካን መንግስትን ዘይተሓለለ ብፅሒት ንከበርክቱ ድማ ፃዊዒት ኣቕሪቡ።