Fana: At a Speed of Life!

ምጥንኻር ምትሕብባር ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንኣህጉራዊ ምትሕብባር ወሳኒ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምጥንኻር ምትሕብባር ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ንኣህጉራዊ ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ናይጄሪያ ምእታዎም ይፍለጥ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሶ ሮክ ኣብ ዝተብሃለ ቤተ መንግስቲ ፕሬዚዳንት ብፕሬዚዳንት ሞሃመዱ ቡሃሪ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ካብዚ ብምቕፃል ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ናይጄሪያ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ዓበይቲ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝኾና ብምሕባር፤ “ናትና ምትሕብባር ምጥንኻር ንክልተኣዊ ርክብና ከምኡ እውን ንኣህጉራዊ ምትሕብባር ወሳኒ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብፕሬዚዳንት ሞሃመዱ ቡሃሪ ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ እውን ኣመስጊነኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.