Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ጉባኤኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ማላቦ ከካይድ ኢዩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 25 ክሳብ 28 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት፥ ኣብ ክልተ ቀንዲ ዛዕባታት ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እቲ ሕብረት ፈለማ ኣብታ ኣህጉር ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዉ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብምዝታይ ውሳነ ዝህብ እንትኸውን፥ ቀፂሉ ድማ ግብረ ራዕዲን ኣብ ኣፍሪካ ዝረአ ዘይሕገመንግስታዊ ዝኾነ ለውጢ መንግስቲን ኣድሂቡ ከምዝዝቲ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማት÷ እቲ ሕብረት ዝተወልዑ ግብረ ራዕዲን ፅንፈኝነትን ንምውጋእ ዝተወሰዱ ስጉምቲታትን ኣብ ኣፍሪካ ዝረአ ዘይሕገ-መንግስታዊ ግልበጣ መንግስቲን ኣመልኪቶም ፀብፃብ ከቕርቡ ኢዮም፡፡

የመሪዎች ጉባኤው ለሁለት ተከታታይ ቀናት የሚቆይ ሲሆን÷ ሚኒስትሮች፣የተለያዩ ሃገራት መሪዎች እንዲ

እቲ ጉባኤ መራሕቲ ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ሚኒስትራት፣ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ካልኦት ዲፕሎማሰኛታትን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ሕብረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.