Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ዝተረጋገአን ዘላቒ ልምዓት ንምስላጥ ዘኽእልን ጥንኩር ስራሕ ምኅባር ሕጊ ይስራሕ ኣሎ – ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ዝተረጋገአን ዘላቒ ልምዓት ንምስላጥ ዘኽእልን ጥንኩር ስራሕ ምኅባር ሕጊ እናተሰርሐ ምዃኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ክልል ህዝቢ ነኒባዕሉ ንምግጫው፣ ብምክፍፋልን ሰላሙ ብምኽላእ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኣድሂቡ ከይሰርሕ ብሓይሊታት ውሽጢን ወፃኢን ይስራሕ ኣሎ።

እቲ ፀገም ንምውጋድን ሰላም ህዝቢ ንምሕላውን ዝተዋደደ፣ ዝተወደበን ዝተናበበን ጥንኩር ስራሕ ምኽባር ሕጊ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብፍላይ ሃይማኖትን ብሄርን ሽፋን ብምግባር ሓድነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ጉዳያት ብምፍላይ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ክልል ዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ተግባር ኢዶም ብምእታው እናሰርሑ ዝርከቡ ኣካላት ብምፍላይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ስራሕ ምኅባር ሕጊ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጦም።

ሓይሊ ፀፅታ በቢከባቢኡ እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ምኽባር ሕጊ መናእሰይን መላእ ህዝቢን እቲ ክልል ግደኦም ንኽዋፅኡ ምሕታቶም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.