ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ተካእቲ ፍርያታት 418 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ተካእቲ ፍርያታት 418 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር፥ “ተካእቲ ፍርያታት ትኹረት ብመሃብ ምዕባለ ሃገርና ክነቀላጥፍ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣፈፃፅማ ትልሚ 10 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ተፀዋዕቲ ትካላትን ይግምግም ኣሎ፡፡
ሚኒስትር ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ካብ ተካእቲ ፍርያታት 498 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ንምርካብ ተሓሲቡ 418 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብምርካብ 84 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡
ኣፈፃፅምኡ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር 102 ሚሊየን ዶላር ወይ እውን 32 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዝተመዝገበ ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።