Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ድርድር እተን ተደራደርቲ ሃገራት ባዕለን መፍትሒ ንኸቕምጣ ጥራሕ ሓገዝ ትገብር – ማይክ ፖምፔዮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ድርድር ኣሜሪካ እተን ተደራደርቲ ሃገራት ባዕለን መፍትሒ ንኸቕምጣ ጥራሕ ሓገዝዝ ከምትገብር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ማይክ ፖምፔዮ ገሊፆም።

ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ማይክ ፖምፒዮን ብሓባር ብምዃን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣይተ ገዱ ኣብቲ እዋን መግለፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብቲ ግድብ ዝገብረኦ ድርድር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ስምምዕነት ክበፅሓ ኢየን ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ፥ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕነት ንኽበፅሓ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን እናተፃወቱ ዝርከቡ ኣወንታዊ ግደ እውን ኣመስጊኖም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ምዕቡል ምሕዝነት ምዃነን ገሊፆም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሃገሮም ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ እውን ኣፍሊጦም።

ዋሸንግተን ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም ከምትድግፍ እውን ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተላዒሉ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል፥ 8 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ከምትገብር ዕላዊ ገይሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.