Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ኣብ ኲናት ተሳትፎ ዘይነበሮም ኣስታት 7 ሺሕ ዝኾኑ ንፁሃን ቀቲሉ-መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወረራ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ኣብ ኲናት ተሳትፎ ዘይነበሮም 6 ሺሕን 985 ንፁሃን ምቕታሉ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ።

ግብረ ራዕዲን ወራሪን ጉጅለ ህወሓት ብዘካየዶ ወረራ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘብፅሖ ጉድኣት በዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ተዋሂቡ።

እቲ መፅናዕቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ እንትኸውን፥ ብ10 ዩንቨርስቲታትን ቢሮ ብሔራዊ ስታትስቲክስን ምትሕብባር እናተገበረ ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

እቲ መፅናዕቲ ብወራር ተታሒዞም ነፃ ዝወፅኡ ሸሞንተ ዞባታት እቲ ክልል ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ብዝፈፀሞ ወረራ ልዕሊ 240 ሺሕ ሰባት ንሰብኣዊ ጉድኣት ዝተቓልዑ እንትኾኑ፥ 7ሺሕን 460 ዜጋታት ድማ ብሓይሊ ተዓፊኖም ብምውሳድ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይተፈለጠን ተባሂሉ።

ካብቶም ኣብ ኲናት ተሳትፎ ዘይነበሮም ኣስታት 6 ሺሕን 985 ንፁሃን እቶም 1 ሺሕን 797 ብጅምላ ከምዝተጨፍጨፉ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ።

ብኣገዲድካ ምድፋር 1 ሺሕን 782 ዜጋታት ጉድኣት ከምዝበፅሐን እወን ተሓቢሩ።

ብበርናባስ ተስፋዬ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.