Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ለውጢ ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ፖለቲካ ምህዳር ንምስፋሕ ጉዳዮም ብኣግባቡ ተራእዪ ንኽቕልቀቑ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድሕሪ ለውጢ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብገበን ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ፖለቲካ ምህዳር ንምስፋሕ ጉዳዮም ብኣግባቡ ተራእዩ ንኽቕልቀቑ ኣንፈት ምቕማጡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ተወለድቲ ትግራይ ተዛትዮም።

እቶም ኣባላት፥ ምስ ማእሰርቲ ሰበስልጣናት ወታደራዊን ሲቪልን ተወለድቲ ትግራይ ዝተተሓሓዙ ሕቶታት ኣልዒሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ምስተገበረ ብዙሓት ኣመራርሓታት ካብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝተኣሰሩ ዝገለፁ እቶም ኣባላት፥ መብዛሕተኦም ተወለድቲ ትግራይ ብምዃኖም ግን ኣብ ህዝቢ ቅርታን ስምዒት መጥቃዕቲን ክፈጥር ክኢሉ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀ ሰባት ገበን ይስርሑ ኣይስርሑ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ምዃኑ እንተይተረሰዐ፥ ንሰላምን ምርግጋዕን ህዝቢ ተባሂሉ ድሕሪ ለውጢ ዝተኣሰሩ ሰባት ክሶም ተቋሪፁ ተምሳሌት ዕርቂን ይቕረታን ተገይሩ ንኽውሰድ ሓቲቶም።

ብመንፅር ኢኮኖሚ፥ ንትግራይ ብኢኮኖሚ ንምጉዳእ ይስራሕ ኣሎ ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዝተስፋሕፋሐን እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ፀረ ትግራይ ተገይሩ ንኽረአ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ዝለዝኾኑን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መብርሂ ንኽህቡሉ ሓቲቶም።

ብኻሊእ መልክዑ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፌደራልን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ጥቕዓት ክመፅእ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ስለዝተፈጠረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምላሽ ንኽህቡሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብዝሃቡዎ መልሲ፥ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተላዒሎም ምስ ዝነበሩ ጎንፂታትን ቅድሚ ለውጢ ምስ ዝተፈፀሙ ገበናትን ተተሓሒዙ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕ ብዝብል ጉዳዮም ተራእዩ፤ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ግቡእ ምፅራይ ገይሩ ንኽፈትሕ ኣንፈት ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

እሱራት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ስለዝርከቡ፥ ገበነኛታት ምስ ብሄር ምትሕሓዝ ግን ሃገር ዝጎድእ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ከይዲ ምፍታሕ እሱራት ኣግባብ ሕጊ ተደሪኹ ክፍፀም ከምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

እቶም ዝፍትሑ ውልቀ ሰባት ጥሕሰት ሕጊን ሰብኣዊ መሰልን ከምዘይፈፀሙ ብጭቡጥ መረዳእታ ምስተረጋገፀ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ካብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተልዓሉ ሕቶታት ዝዛየዱ ዋላ ይኹኑ እምበር ፖለቲካ ምህዳር ንምስፋሕ ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዝርከቡ ዜጋታት ጉዳዮም ተራእዩ ንኽፍትሑ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ተመልኪቱ።

ምስ ኢኮኖሚያዊ ጉዳይ ተተሓሒዙ ንዝቐረበ ሕቶ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ ቀመር በጀት ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል ንትግራይ ናይ ምጉዳእ ሓሳብ ከምዘይብሉን ገሊፆም።

ምስ ስግኣት ፀፅታ ብዝምልከት “ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲ ፌዴራል መጥቃዕቲ ክበፅሐኒ ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ ኢለዎ ኢለ ኣይኣምንን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከምዙይ ዓይነት ወረ ናይ ነጋዶ ኮንትሮባንድ መሳርሒታት ኲናት በለካ ለኽዐካ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንትግራይ ከጥቅዕ ዝኽእል ናይ ወፃኢ ሓይሊ ከምዘየለ ዝገለፁ እም ቀዳማይ ሚንስትር፥ እዙይ እንተኾይኑ ግን ናይ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ኢሎም።

ብልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.