ኢትዮጵያ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን እታወት መድሓኒትን ሕክምናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምተማልእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኢትዮጵያ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን እታወት መድሓኒትን ሕክምናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምተማልእ ተገሊፁ።
መንግስቲ ኣብ 10 ዓመት ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ ኣብ ዝሓዞ ኢንዱስትሪታት ትልሚ ኣረይቲ ፋርማሲቲዩካል ውሽጢ ዓዲ ብናይ ውሽጢ ሃገር እታወት መድሓኒትን ሕክምናን ንኸፍርዩ ዘለዉዎም ፀገማት ብምፍታሕ ነቲ ዓውዲ ከምዝድግፍ ገሊፁ ኢዩ።
ዘፈር ኣርማሲዩቲካን ኢንዱስትሪ ብሓዱሽ ምዕራፍ ንምጥንኻር ምስ ኣፍረይቲ ፋርማሲዩቲካልን መዳርግቲ ኣካላትን ምይይጥ ይሳለጥ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር ትካል ምርምር ኣርማወርሃንሰን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ማሕለኻታት እቲ ዓውዲ ብምፍታሕ ምስ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ፋርማሲዩቲካልን መዳርግቲ ኣካትን ምዝታይ ከምዘድለየ ኣብሪሆም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ “እቲ ዓውዲ ደጊፍና ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምደንፋዕ መንግስቲ ካብ ዝፃወቶ ግደ ብተወሳኺ ኣረይቲ ኢንዱስትሪታት እቲ ዓውዲ ተዋዲዶም ክሰርሑ ይግባእ” ኢለን።
ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት ብምጥቃም ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ 60 ሚኢታዊ እታወት ሕክምናን መድሓኒትን ብናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ከምዝማላእ ኣብሪሀን።
ብቆንጂት ዘውዴ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።