ፅዕንቶ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእትና እንምክቶ ክብሪ ህዝቢ ብምሕላውን ሃገራዊ ፍሪያታት ብምፍራይን ከምዘኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መበል 11 ዙር ተመረቕቲ ኢንተርፕራይዛት ኣብታ ከተማ ዘለዉ ውፅኢታዊያን ሰብ ሃፍቲን ትካላተነ ኣብ ዝተረኸብሉ ዘተ ተገይሩ።
ዕላማ እቲ ዘተ ተመረቕቲ ኢንተርፕራይዛት ናብ ማእኸላይ ኢንዱስትሪ እንትሸጋገሩ ትፅቢት ዝግበረሎም ግደ ተረዲኦም ውፅኢታዊ ንክኾኑ ኢዩ።
ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ኢንተርፕራይዝን ስራሕን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ከምዝገለፅዎ፥ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ 36 ኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 90 ሺሕ ኣንቀሳቐስቲ ዝሓቖፉ ኢዮም።
እቶም ኢንተርፕራይዛት ምዕባለ ኢኮኖሚን ተረባሕነት ዜጋታትን ንምርግጋፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ፅዕንቶ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእትና እንምክቶ ክብሪ ህዝቢ ብምሕላውን ሃገራዊ ፍሪያታት ብምፍራይን ከምዘኾነ ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።