ቋንቋ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ተኻቲቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቋንቋ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ተኻቲቶም።
እቲ ኩባኒያ ብልዕሊ 300 ሚሊየን ዝዝረቡ ብሓፈኛ 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ናብ ዝርዝር ኣገልግሎት ትርጉም ከምዘካተተ ተገሊፁ።
ካብ መንጎ እዚኦም ቋንቋታት ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
ባምባራ ብዝብል ዝዝረብ ቋንቋ ሓዊሱ ኢው ኣብ ጋናን ቶጎን፣ ክራዮ ኣብ ሴራሊዬን፣ ሊንጋላ ኮንጎ ሓዊሱ ኣብ ማእኸላይ ኣፍሪካ፣ ሉጋንዳ ኣብ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ሰፐዲን ሶንጋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኣብ ጋና ዝዝረብ ቋንቋ ትዊ ኣብ ኣገልግሎት ምትርጓም ጉግል ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።
ጉግል እቶም ሓደሽቲ ተወሰኽቲ ቋቋታት ትርጉሞም ናይ ቀደም ምስላታት ብዘርእዩ ሓደሽቲ ሶፍትዌራት ዝተጣየሹ ኢዮም ተባሂሉ።
እቶም ቋንቋታት ኣብ ትርጉም ምክታቶም እወንታዊ ከምዝኾነ ድማ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።