ኣምባሳደር ሬድዋን ምስ ፍሉይ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ምስ ፍሉይ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ፊሊፕ ፋርማን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ኣብ ዘተኦም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ነቶም ፍሉይ ልኡኽ መብርሂ ሂቦምዎም፡፡
ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገር ንኹ ዝሓቁፍ ዘተ ብምክያድ ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ዝገለፁ ኣምባሳደር ሬድዋን፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብታ ሃገር ሰላም ንምዕሳል ብዙሓት ፃዕሪታት እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
መንግስቲ ፌዴራል ኣብታ ሃገር ሰላም ንምዕሳል ብዙሓት ፃዕሪታት እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ መንግስቲ ንዝወሰዶ ውሳነ ምቁራፅ ተኹሲን ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነትን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክንእዶ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ፍሉይ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ፊሊፕ ፋርማን ብግደኦም፥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተሓዋወሱ ጎንፂ ድሌታት ከምዘለዉን ኢትዮጵያ ነዚ ሓበራዊ ፈተና ኣብ ምቅላስ ዓቢዪ ግደ ክትፃወት ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ተኹሲ ንምቁራፅን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸኣቱን ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዶም፡፡
ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ሰላማ ንኽትምለስ ድሌት ከምዘለዎምን ነቲ ከይዲ ሰላም ንምሕጋዝ ቆራፅ ከምዝኾኑን እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምግላፆም፥ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።