ብሚኒስትር ዴኤታ ኣይተ ታረቀኝ ቡልልታ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ዑደት ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ቡልልታ ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ምንቕስቃሳት ልምዓት ዑደት ገይሩ።
እቲ ዑደት ስራሕ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ናብ ስራሕ ዘይኣተው ፋብሪካታት ኣድላይ ሓገዝ ተገይርሎም ናብ ስራሕ ብምእታው ፍሪያት ንምውሳኽን ጉዕዞ ዕብየት እዛ ሃገር ንምዕዋትን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።
ንኣብነት እቶም ልኡኻት ን6 ኣዋርሕ ብልቓሕን ሕፅረት ካፒታልን ተቛሪፁ ዝነበረ ፀገም ዝተፈቲሕሉ ናብ ስራሕ ዝተመለሰ ፋብሪካ መዐሸጊ ፕላስቲክ ጄ ኤፍ ጂ ድሬዳዋ ተዓዚቦም።
ብተወሳኺ በ5 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ካፒታል ኣብ መንደር ኢንዳስትሪ ዝተሃነፀ መገጣጠሚ መኪናን በዓል ሰለስተ እግሪ ተሸከርካርን ኢንዱስትሪ ሞተርን ድሬዳዋ ምንቕስቃሳት ስራሕቱ ጎብንዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ደኤታ፣ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ከተማ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ስራሕ ዘቋረፁ ኢንዱስትርታት ስራሕ ኣብ ዝጅምርሉ መሰረታዊ መፍትሕታትን ኣንፈታትን ምስ ዝምልከቶም ምምሕዳርን ወነንትን እቲ ኢንዱስትሪ ምኽክር ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡
ከም ፀብፃብ ግዜኢ እቶም ኢንዱስትርታት ዘጋጠሞም ፀገማት ህፁፅ መፍትሒ ዝረኽብሉ ኩነታት ከምዝመቻቸው ተሓቢሩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።