Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ለውጢ ንምሕጋዝ ኣሜሪካ ልዑል መዋእለ ንዋይ ፈሰስ ከምትገብር ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ኩለመዳይ ለውጢ ንምሕጋዝ ኣሜሪካ ልዑል መዋእለ ንዋይ ፈሰስ ከምትገብር ሚኒስትር ጉዳት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛትዮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሪታሪያት ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበሩዎ ዘተ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እናካየደቶም ትርከብ ምምሕያሻት፥ ኣሜሪካ ሓገዝ ከምትገብር እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ከምዝገለፁ ኣብሪሆም።

ማይክ ፖምፒዮ ሃገሮም ኣሜሪካ ትገብሮ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ እዋን እውን ኣጠናኺራ ከምትቕፀል ገሊፆም ኢዮም።
ክልቲአአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ምዝታዮም እውን ኣይተ ንጉሱ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ቀፃሊ ኣንፈት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዕላዊ ዑደት ስራ ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘገበሩዎ ፃንሒት ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ተዛትዮም ኢዮም።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.