Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዩኒሊቨር ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዩኒሊቨር ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።

ዩኒሊቨር ኩባንያ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ናውቲታት ፅሬትን ምግቢ ተንከፍ ፍሪያታትን ብምፍራይ ዝፍለጥ ኢዩ።

ቅድሚ 7 ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ  ኢንዱስትሪ ዞን ኢስተርን ስራሕ ከምዝጀመሩ እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ገሊፆም።

እቲ ትካል ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 7 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረን ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ንምግፋሕ ትልሚ ከምዘለዎም ኣብቲ ዘተ ገሊፆም።

ኣምሳደር ሬድዋን ሁሴን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ፣ ኮቪድ 19ን ካልኦትን ጊዚያዊ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ኢንቨስትመንት ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.