Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ሃገር በቆል ፍልጠት ኢትዮጵያ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር በቆል ፍልጠት ኢትዮጵያ ብብርኪ ትምህርቲ ንኹ ማሕበረሰብ ተበፃሒ ንኽኸውን ዓላማ ዝገበረ ማእኸል ሃገር በቆል ፍልጠት ኢትዮጵያ ተጣይሹ።

ሚኒትር ደቂ ኣንስትን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺበን ከምዝበለኦ፥ ንመፃኢ ወለዶ ጠቐሚ ልምዲታት ንምምሕልላፍ ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ምጥያሹ ግቡእ ከምዝኾነን ዝበረታታዕ ተበግሶ ኢዩ፡፡

እተን ሚኒስትር ከም ቻይና፣ ታይላንድን ጃፓንን ዝበላ ሃገራት ብሳይንስን ምርምርን ኣብዚ ሕዚ ዘለወኦ ብርኪ ዕቤት ንኅበፅሓ መሰረተን ሃገር በቆል ፍልጠት ከምዝኾ ኣመልኪተን፡፡

ሃገር በቆል ፍልጠታት ከይጠፍኡ ምሕላው፣ ፍልጠት ንወለዶ ብዝግባእ ብምምሃር ተጠቀምቲ ምግባር፣ ትምህርቲ ስነምግባር ምምሃር፣ ብዛዕባ ሓለዋን ክንክንን እፅዋት፣ ብዛዕባ መድሓኒት እፅዋት፣ ብዛዕባ ኣሰኣእላ ጥንታዊ ስእሊታት፣ ብዛዕባ ኣቃምማ ቀለማትን ብዛዕባ ጂኦሎጂ ጥበብ እምኒን ምምሃር ሃገር ዝሓዘቶ ጉዕዞ ጎደና ልምዓት ስሙር ንምግባር ዝሕገዝ ከምዝኾነ ምሕባረን ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.