Fana: At a Speed of Life!

ጨፌ ኦሮሚያ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጨፌ ኦሮሚያ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።

ነቲ ጉባኤ ብመደረ ዝኸፈተኦ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፥ እቲ ጨፌ ትልሚን በጀትን ዓመተ 2012 ኣፅዲቑ ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ኣብቲ ክልል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝርከቡሉ ብርኪ ብቀወምቲ ኮሚቴታት እናተገምገመ ከምዝነበረ ገሊፀን።

ክልል ኦሮሚያ ማእኸል ዕግርግር ንምግባር ሃቂኖም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት፥ መንግስቲ ሰላም ንምዕሳል ዝሰርሖም ስራሕቲ ከይዕወቱ ብምግባር ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብን ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ህዝቢታት ንፀገም ፀፅታ ከምዝተቓልዑ ኣብሪሀን።

ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ግደ ህዝቢ ዝለዓለ ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ሎሚ፥ ህዚቢ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ዝነበሮ ተሳትፎ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ ይግባእ ኢለን።

ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ከምዝሳለጥ ዝሓበራ እተን ኣፈ ጉባኤ፥ ዴሞክራሲያዊ፣ ፍትሓዊን ናፃን መረፃ ንኽካየድ፣ ፓርቲታት ፖለቲካ ፕግራሞም ንህዝቢ ንኸፋልጡን ህዝቢ ድማ ይኾነኒ ዝበሎ ፓርቲ ምምራፅ ንኽኽእልን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ቀዳማይ ስራሕ መንግስቲ ሰላም ምዕሳል ክኸውን ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲበን።

ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ እቲ ጉባኤ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ኣቕሪቦም ኢዮም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ፀብፃቦም፥ መንግስቲ ኣብ ድሌት ህዝቢ፣ ምህላው መሰልን ረብሓን፣ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊን ምስ ጎረባብቲ ክልላት ዘለዎ ርክብ ብምጥንኻርን ናብ ምዕባለ ንምስግጋር ብዕቱብ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ መሰረተ ልምዓትን ምሕደራ መሬትን ካልኦትን ዓውዲታትን ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።

ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ጨፌ፥ ዝተፈላለዩ ረቂቕ ኣዋጃትን ሽመታትን ቀሪቦም ዘተ ምስተገበረሎም ክፀድቁ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ፀፅታን ብዝምልከት ትኹረት ገይሩ ከምዝዝቲ እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.