Fana: At a Speed of Life!

ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ቻይና ብስፍሓት ንኽሽየጥ ዝዓለመ መርሀ ግብሪ ምፍላጥ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ቻይና ብስፍሓት ንኽሽየጥ ዝዓለመ ንነጋዶ ቡን ቻይና መርሀ ግብሪ ምፍላጥ ብበይነ መረብ ተኻይዱ።
ኣብ ቤጂንግ ኤምባሲ ኢትዮጵያ “ቡን ካብ ምድሪ ቀዳሞት” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ቡን፥ ኢትዮጵያ ን ነጋዶ ቻይና ካብ 50 ንላዕሊ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ እዩ ተኻይዱ።
ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ሚኒስትር ወፃኢ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤሽያን ጉዳያት ፓስፊክን ኣምባሳደር ገበየሁ ጋንጋ፥ ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኢትዮጵያን ምትእስሳር ንግዲ እናዓበየ ምምፅኡ ገሊፆም።
ቀዳማይ ፍሪያት ሃገርና ዝኾነ ንዕዳጋ ወፃኢ ዝኾነ ቡን ናብ ዕዳጋ ቻይና ብስፍሓት ንምልኣኽ ኣብቲ ዓውዲ ዝርከቡ ለኣኽቲን ተቐበልትን ንምርኻብ እቲ መድረኽ ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም።
በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና አምባሳደር ተሾመ ቶጋ፥ ርክብ ነዊሕ እዋን ክልቲኦም ሃገራት ብብርክት ዝበሉ ዘፈራት እናተጠናኸረ ምኻዱ ሓቢሮም።
ንመማረፂ ዕድጊት ኤሌክትሮኒክ ሓዊሱ ናብ ቻይና ንምልኣኽ ንክከኣል መድረኽ እቲ ዘተ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢሎም።
ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሚኒስቴር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን፤ በዓል ስልጣን ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ፤ ተወከልቲ ማሕበር ለኣኽቲ ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፅሬት ፍርያት ቡን ከምዘብርሁ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.