Fana: At a Speed of Life!

ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ህንፀት ሰላም ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ዓመታዊ ፖለቲካዊ ልዝቦም  ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂን ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ተሓታትነትን ሰብኣዊነትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ሓበራዊ ተረባሕነት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ጠጠው ንምባልን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን እናሳለጦም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ዝምልከት ዳህሳስ ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ኣብ እዋን ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኩሎም ኣካላት ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ፀፅታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታትን ሓዊሱ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ተሓታትነት ኣመልኪቶም መበርሂ ከምዝሃቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ግብረ ሓይሊ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብምውዳብ ተግባራት ጥሕሰት፣ ሓበራዊ ምርመራን ምኽረ ሓሳብን ግብረ ሓይሊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምኡ እውን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፥ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅ ክሳብ ሕዚ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብኣወሃህባ ቪዛ፣ ውሃብቲ ሓገዝ ናብ ትግራይ ሒዞምዎ ዝኣትዉሉ መጠን ኬላታት ብምንካይን ሰብኣዊ ሓገዛት ምውሳኽን ብምፅራሕ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበሩ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንክልቲኦም ወገናት ኣጋጢሞምዎም ዝርከቡ ፈተንቲ ኩነታት እዋናዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ጎንፂን ድርቂን ከምኡ እውን ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዘሎ ጎንፂ ኣልዒሎም።

እቲ ዘተ ካብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰለን ስጉምቲ ተሓታትነትን ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንግዲ ብመንፅር ሰብ ሃፍቲ ኣውሮፓ ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕን ዝደንፈዐ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ተዛቲዮም።

ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ህንፀት ሰላምን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥጥ ዶብ ከምኡ እውን ምስ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዝተኻየደ ሰለስተኣዊ ድርድር ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝኣተዎ ቃል ንኢዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.