Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ዝናብ ትፅቢት ይግበር

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝናብ ወሃብቲ ገፅታታት ሜትሮሎጂ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣንፃራዊ ጥንካረኦም ሒዞም ከምዝቕፅሉ ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ዝናብ ትፅቢት ከምዝግበር ተምቢዩ።

ኣብ ክልል ደቡብ፣ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ጋምቤላን ከባቢታት ሃንደበታዊ ውሕጅ ከኽትል ዝኽእል ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ዝራእቲ ከይጉድኡ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ እቲ ኢኒስቲትዩት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ወርሒ ጉንበት ካብ ዞባታት ምብራቕ ሃረርጌ ወፃእ ኣብ ኩሎም ዞባታት ክልል ኦሮሚያ፣ ኣብ ክልል ቤንሼንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ ክልል ሲዳማ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት አዊ፣ ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም ካብ ስሩዕን ካብ ስሩዕ ንላዕሊን ዝናብ ትፅቢት ይግበር።

ሓሓሊፉ ካብ ዝፍጠሩ እካባት ደበና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከቢድ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኩሎም ዞባታት ጎንደር ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ ሰሜን ሸዋ፣ ክልል ዓፋር፣ ምብራቕ ሃረርጌ፣ ምብራቕ ባሌ፣ ኣብ ክልል ሱማሌ ዞባታ ዳዋ፣ ሊበንና ኣፍዴራን ትሑት መጠን ዘለዎ ዝናብ ክህሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተረፉ ከባቢታት እታ ሃገር ደረቕ ኮይኖም ከምዝፀንሑ ትምበያ እቲ ኢንስቲትዩት ኣመልኪቱ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.