Fana: At a Speed of Life!

መበል 81 በዓል ዝኽሪ ዓወት ሓርበኛታት ሎሚ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 81 ዝኽሪ በዓል ዓወት ሓርበኛታት ኣብ ኣራት ኪሎ ዝርከብ ሓወልቲ ንኣቦታትን ኣዴታትን ሓርበኛታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሣህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መበል 81 በዓል ዓወት ሓርበኛታት ተረኺን ሕቑፊ ዕንባባ ኣንቢረን።

መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት፥ ቅድሚ 81 ዓመት 27 ሚያዝያ ጀጋኑ ሓርበኛታት ብዱርን ገደልን ተዋዲቖም ንፋሽሽት ጣልያን ብምዕዋት ዓወት ኢትዮጵያ ዘብሰሩሉ ዕለት እዩ።

ፋሽሽት ጥልያን ኣብ ዓድዋ ዝገጠሞ ስዕረት ሕነ ንክፈዲ ን40 ዓማውቲ እናተዳለወ ድሕሪ ምፅንሑ ብመርዚ ትክን ካልኦት ብሕጊ ኲናት ዘይተፈቐዱ መሳርሕታትኲናትን  ብምጥቃም ብ1928 ዓ.ም  ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ኣንፈት ወራር ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያውያን ድማ ከምቲ ወራሪ ዘበናዊ መሳርሕታት ዋላ ኳ ተዘይሃለዎም ብዘላቶም ዓቕሚ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ብፅንዓት ዝተቃለሱ እንትኾን፤ እቲ ወራሪ ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ካልኦት ውሱናት ከባብታት ተቖፃፂሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተረጋጊዑ ንኸየማሓድር ኣብ ፀግዒ እተን ከተማታት ብምዃን ዕረፍቲ ኣስኢኖምዎ ነይሮም ።

ሚያዝያ 27 1933 ዓ.ም ብዱርን ገደልን ኢትዮጵያውያን ዝተዋደቑሉ ባንዴራ ኣፀይ ኃይለሥላሴ ኣብ ቤተመንግስቶም ዝሰቐሉሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ባንዴራ ዝተውለብለበሉ ዓብዪ መዓልቲ ዓወት እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.