Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ቁፅሪ መሳርሒታት ኲናት እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከባቢታት ዶብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ቁፅሪ መሳርሒታት ኲናት እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ኣብ ኣተገባብራ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ቁፅፅርን መሳርሒታት ኲናት ዘድሃበ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ብኣሰናዳእነት ሚኒስትር ሰላም ዝተሳለጠ እቲ ዘተ፥ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስ ዝፍጠሩ ስግኣታት ተተሓሒዙ ሕብረተሰብ በዓልቤት መሳርሒታት ኲናት ናይ ምዃን ድሌቱ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ።

ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ከባቢታት ዶብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ዘሎ ቁፅሪ መሳርሒታት ኲናት እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ ተባሂሉ።

ከም ዶቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝበላ ምርግጋዕ ዘይብለን ጎረባብቲ ሃገራት፥ ንምውሳኽ ቁፅሪ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ መሳርሕታት ኲናት ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ኣብ ኣመሓዳድራ መሳርሒታት ኲናት ዝለዓሉ ሓሳባት ከም እታወት ብምውሳድ እናተፈጠሩ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ቁፅፅርን መሳርሒታት ኲናት፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናብ ባይቶ ወክቲ ህዝቢ ቀሪቡ ከምዝፀደቐ ይዝከር።

እቲ ኣዋጅ ግቡእ ምዝገባ ብምግባር ሕጋዊ ምሕደራ መሳርሒታ ኲናት ንኽህሉ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ድምፂ ዘለዎም መሳርሒታት ጥራሕ ዘይኮነስ ድምፂ ዘይብሎም መሳርሒታት ኲናት እውን ሕጋዊ ክኾኑ ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.