Fana: At a Speed of Life!

ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝተወለዐሉ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ክሳብ ምውዳቕ ደርግ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዝወለዐትሉ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ክሳብ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ክብሪን ኣፍልጦን ትማሊ ተዋሂቡ።

እቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ምሃብ ክብርን ኣፍልጦን፥ ንመስረቲ እቲ ውድብ፣ ፈፀምቲ ስራሕ፣ ብብርኪ ማእከላይ ኮሚቴ፣ ኮምሽን ቁፅፅርን ንዝነበሩን ንዘለዉን ዘካተተ ኢዩ።

ብመስዋእቲ ንዝተፈለዩ ጀጋኑ ድማ ስድርኦም ክቕበልሎም ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ጎድና ጎድኒ እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስነስርዓት፥ ልዕሊ 90 ሽሕ መረጋገፂ ክብሪን ኣፍልጦን ንተጋደልቲ ንኽዕደል ናብ ወረዳታት ከምዝተልኣኸ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.