Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ተግራይ ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ 11 ለካቲት ውድባዊ መግለፂ ሂቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብዛ ሃገር ንዝነበረ ወፅዓ፣ መፅቀጥትን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን እምቢ ኣይቅበልን፣ ፍፁም ኣይግዛእን፣ ወጊድ ባርነት ብምባል ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 45 ዓመት ነኽብር ኣለና። በዓል 11 ለካቲት እንትነኽብር ፅንዓትን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ተመሊስና እንዝክረላን፣ ንናይ ሎሚን ፅባሕን ጉዕዞና ዝለዓለ ሓቦን ፅንዓትን ተላቢስና ብልዑል ናይ ቃልሲ መንፈስ ንምርሸላን ዕለት እያ። ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ቃልሲ እንትጅምር ኣብ ኩናት ከጋጥም ዝኽእል ኩለ መዳይ ኪሳራ ምግማት ጠፊእዎ ዘይኮነስ ነቲ ተሓንጊጥዎ ዝወፈረ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ተገዲዱ ዝኣተዎ እንኮ መማረፂ ስለዝነበረ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየደ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ እንግዳዓ ህዝቢ ትግራይ ተዳዕኒኑ ዝነበረ ኣርዑት መግዛእቲ ብምድምሳስ ሓዱሽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ኩሎም ብሄር ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተኸባቢሮም ብማዕርነትን ሕውነትን ዝነብሩላን ኣብ ናይ ባዕሎም ዋኒን ባዕሎም ዝዉሱኑላን ሃገር ብምፍጣር ሕልሚ ጨፍለቕቲ ንዘልኣለም ዝቕበረሉ ስርዓት ብምፍጣር ካብ ድኽነትን ድንቁርናን ብምንጋፍ ናብ ጎደና ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ንምምራሽ ዘኽእል መንገዲ ንምፅራግ ኢሉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ነዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ፀይሩ፣ ንፃት እውን መብረ ከይሓተተን ከይተለገመን ዘኹርዕ ታሪኽ ሰሪሑ ንምእማኑ ዘፅግም ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፣ ነቲ ፍፁም ፀረ-ዲሞክራሲ፣ ግፍዓውን፣ ዋርድያ ድኽነትን ድንቁርናን ዝነበረ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ኢሰፓ ብምድምሳስ ኣብዛ ሃገር ሓዱሽ ምዕራፍ ክፍጠር ገይሩ እዩ። ድሕሪ ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ እውን እዛ ሃገር በፂሓቶ ካብ ዝነበረት ጫፍ ብተና ብምድሓን፤ ንኹሎም ብሄራት ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘሳተፈ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክትከል መተካእታ ዘይብሉ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ድሕሪ ምፅዳቕ ሕገ መንግስቲ እውን ኣብዛ ሃገር ንዓለም ተምሳሌት ዝኸዉን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ክህነፅን ኣብ ማዕርነት ዝተመሰረተት ሓዳሽ ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ክትምስረት ኣኽኢሉ እዩ። ንዘመናት ብመንነቶም ምኽንያት ዝሓፍሩን ዝሽቁረሩን ዝነበሩ ህዝብታት ብመንነቶም ኮሪዖም ዓርሶም ብዓርሶም ዝመሓደሩሉን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ሚዛናዊ ውክልና ዝረኸብሉን ስርዓት ተጋሂዱ እዩ። ንዘመናት ምላሽ ዘይረኸቡ ተባራዕቲ ሕቶታት ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ሕቶ ብሄርን መንነትን፣ ሕቶ ዋንነት መሬትን ናይ ስልጣን ሕቶን ኩሎም ሰብኣዉን ዲሞክራሲያዉን መሰላትን ሕገ መንግስታዊ ምላሽ ረኺቦም እዮም።
ኣብዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ቃልሲ ጉዕዞ ቁልቁለት ሃገርና ብምዕጋት ናብ ጎደና ምዕባለ ዘሰጋግር ልምዓታዊ ዴሞክራሲያዊ መስመር ተተኺሉ እዩ። ሃገርና ብዝሓዝናዮ ፅሩይ ልምዓታዊ መስመር እናተመርሐት ክግመቱ ዘይኽእሉ ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ኣመዝጊባ እያ። ብምፅዋት እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ናብ መስርዕ ቅልጡፍን ተኸታታልን ልምዓት ዘረጋገፃ ሃገራት ክትስለፍ ክኢላ እያ። ኣብዛ ሃገር ተራእዮምን ተሰሚዖምን ዘይፈልጡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተጋሂዶም እዮም። ብዘረጋገፅናዮ ፍትሓውን ስሉጥን ልምዓት በብዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ መስመር ድኽነት ወፅዮም እዮም። ሰላምን ልዕልነት ሕግን ተረጋጊፁ ልኣላውነት ሃገር ተኸቢሩ ተሰማዕነት ሃገርና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ሓፍ ኢሉ እዩ። ብማሕበራዊ መዳይ እውን ኣብ ዘፈር ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መሰረተ ልምዓት ድሙቓት ዓወታት ተመዝጊቦም እዮም። ስለዝኾነ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ከምቶም ፀላእቲ ዝብልዎ ናይ ፀልማት ዘበን ዘይኮነስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ኣርዑት ጭቆናን ባርነትን ወፅዮም ባና ስሉጥ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ዘስተማቐሩሉ ዘበነ ለውጥን ህዳሰን እዩ ነይሩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት

መስተንክራዊ ዓወታት እናመዝገበ ዝመፀ መስመር ልምዓታዊ ዴሞክራሲ፣ ኣብ ዝሓለፉ 3ተ 4ተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ኢህወዲግ ብዘጋጠመ ናይ ፅግዕተኛ ምብስባስ ሓደጋ፣ ኣብዛ ሃገር ተረጋጊፁ ዝነበረ ሰላም ተዘሪጉ፣ ተጀሚሩ ዝነበረ ልምዓት ተኾሊፉ፣ ሕቶ ዲሞክራሲ ናብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ውድብ ህወሓት ነዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ምብስባስ ተሪሩ ብምቅላስ ዳግም ተሃዲሱ ነቲ ስርዓት ንምድሓን ከቢድ ፃዕሪ ‘ኳ እንተገበረ፣ ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ዝነበሩ ንባዕሎም ከይፀረዩን ከይተሃደሱን ብምፅንሖም፣ ኣብ ውሽጢ ኢህወዲግ ዝተገበረ ናይ ኣመራርሓ ሽግሽግ ብልዕልነት እቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ተዛዚሙ እዩ። ብፅግዕተኛ መንገዲ ዝመፀ መሪሕነት ኢህወዴግ መንገዲ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ብምርሕራሕ፣ ጠቕሊሉ ናብ መንገዲ ፅግዕተኛ ምብስባስን ፍፁም ውልቀ መላኽነትን ኣትዩ ኣብ ዕምቆት ተሃድሶና ከይድገሙ ኢልና ዝኾነናዮም ጉድለታት ሕዚ ብዝኸፍአ ደረጃ እንትፍፀሙ ንርኢ ኣለና። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ከበድቲ ጥፍኣታትን ቅልውላዋትን ተፈጢሮም ሎሚ ሃገርና ናብ ናይ ጥፍኣትን ምብታንን መንገዲ ተምርሕ ኣላ።

ዝተሃነፁ ትካላት ብምፍራስ፣ እዛ ሃገር ንድሕሪት ንምምላስ ከበድቲ ጥፍኣታትን ተግባራትን ይፍፀሙ ኣለው። ዋሕስ ሃገርና ዝኾነ ሕገ-መንግስቲ ተጣሒሱ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፣ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓት ብፀሓይ ቀትሪ ሃደሽደሽ ኢሉ፣ ተሓልዩ ዝነበረ ሰላም ተሓሚሱ፣ ሓድነት ህዝብታት ተበቲኑ፣ ልምዓት ተኾሊፉ፣ክብርን ሉኣላውነትን እዛ ሃገር ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ተደፊሩ ሃገርና መዐንደሪ ዝነኣሱን ዝዓበዩን ናይ ደገ ሓይልታት ኮይና ኣላ። በዙይ ምኽንያት ህልውና እዛ ሃገር ካብ ዝኾነ ግዜ ብዝኸፈአ ደረጃ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ናይዚ ውፅኢት እውን ዜጋታት ብመንነቶም ምኽንያት ሂወቶምን ንብረቶም ክስእኑ፣ ዝኸፍአ ጎንፅን ምፍንቓልን ክበፅሕ፣ ዋርድያ ሃገር ኮይኖም ዕድመ ልክዖም ዝተቓለሱ ጀነራላት ክቕንፀሉ፣ዩኒቨርስታት ካብ መኣዲ ፅንዓትን ምርምርን ወፅየን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ክኣትዋ፣ ተምሃሮ ህይወቶም ክስእኑን ብዝወፅዎ ክዕገቱን ምርኣይ ዕለታዊ ተግባር ኮይኑ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ እውን ብሕጋዊ መንገዲ ስልጣን ሒዙ ኣብዛ ሃገር ኩለመዳይ ዕብየት፣ ሰላምን ልዕልና ሕግን ኣረጋጊፁ ዝመርሕ ዝነበረ ኢህወዲግ ብፍፁም ፀረ ዲሞክራሲ፣ ዘይሕጋውን ጥልመት ኣሓት ውድባትን ክፈርስ ተገይሩ፣ሓዱሽ ዉድብ ብልፅግና ተመስሪቱ እዩ።ኢህወዲግ ብመረፃ ተወዳዲሩ ዝሓዞ ስልጣን ግዚኡ ኣኺሉ ናብ ህዝቢ ከየረከበ ስልጣን ብምጭዋይ ኣብ ፌደራልን ኣዲስ ኣበባን ህወሓት ካብ ሓላፍነት ክገልስ ይግበር ኣሎ። ፍፁም ፀረ ዲሞክራስን ዓፈናን ኣብዛ ሃገር ነጊሱ፤ ፖለቲካዊ ምህዳር ፀቢቡ፣ ዝተፈለየ ሓሳብ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት፣ ውልቀ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ይእሰሩ፣ ይዕፈኑ ኣለው።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት

ኣብዛ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ፈታኒ ‘ኳ እንተኾነ ውድብና ህወሓት ካብ ብጊሓቱ ሒዝዎ ዝመፀ ህዝባዊ ዕላማ ዓጢቑ ሕዚ እውን ብትረት፣ ብፅንዓትን ብብስለትን ይምክት ኣሎ። ምስ ሓይልታት ትምክሕትን ድሕረትን ፊት ንፊት ገጢሙ ብሓፈሻ ልዕልነት ሕግን ስርዓት ኣብዛ ሃገር ክኽበር፣ ብፍላይ ድማ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ክሕሎ ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ተሪሩ ይቃለስ ኣሎ። ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓት ከይፈርስ፣ ልዕልነት ሕጊ ክረጋገፅን፣ ኣብ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብልን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ንዝገበርዎ ዘለው ዘይተሓለለ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ካብቲን ካብዚን ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ትምክሕቲ ግምባር ፈጢሮም ይዘምቱ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ንምስኳንን ንምምብርካኽን ኩሉ ሓይሎም ፀንቂቆም ይረባረቡ ኣለዉ። ዝተሳዕሩ ሓይልታት ትምክሕቲ በታ ዝረኽብዋ ዕድል ተጠቒሞም ዳግም ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቕ ለይትን ቀትርን ዝተወደበ፣ ዝተዋደደን መጥቃዕቲ የካይዱ ኣለዉ።

እንተኾነ ግን ባህግናን ድልየትናን በትሪ ንዘወጣወጠ በትሪ ምዉጥዋጥ ኣይኮነን። ዕላማና እቲ ንነዊሕ ግዜ ብድኽነት፣ ድንቁርናን ኲናትን ዝተጠቕዐ ህዝብና ብልምዓት ምኽሓስ እዩ። ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ እውን ኣብ ልምዓት ብነመዝግቦም ኩለ መዳይ ዓወታት፣ ኣብ ሰናይ ምም/ር ብነረጋግፆ ዝላ፣ ኣብ ክልልና ብነረጋግፃ ዉሑስ ሰላምን ፀጥታን እዩ። ኣጀንዳና ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ኣብ ማዕርነት ዝተመሰረተ ንኹሎም ህዝብታት ማዕረ ዕድል ዝህብ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓት ከይፈርስ ምቅላስ እዩ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ካብዚ መሰረታዊ ኣጀንድኡ ኣውፂኻ ኣብ መፃብብ ኣእቲኻ ርእሱ ከድንን ክንብርከኽን ዝግበር ፃዕሪ ከንቱ ድኻም ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ።ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ሎሚ ቀደም እውን ብጨፍጫፍን ጥምየትን ኣይተንበርከኸን።ካብታ ዝደየብናያ ብራኸ እናወሰኽና ክንከይድ እምበር ፍፁም ኣይንወርድን ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዘካየድና ድማ ዓወትና ኣየጠራጥርን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብና ሎሚ እውን ከም ቀደምካ ብዝኾነ ዓይነት ደብረኽረኽ ከይተደናገርካ መስመርካ ኣፅኒዕኻ ኣብ ጎኒ ውድብካ ብፅንዓት ትቃለስ ኣለኻ። ንውድብካ እናፅረኻ፣ እናጎልበትካን ካብ መንገድኻ ፍሒት ከይበልካ ትስጉም ኣለኻ። መትከላዊ ዕጥቅኻ ፈተኽ ከየበልካ፣ መርኣያ ፅንዓት ኮይንካ፣ ፈተናታት ብትዕግስቲ እናበዳህኻ ንቕድሚት ትግስግስ ኣለኻ። ክሳብ ሕዚ ንዝገበርካዮ ቃልሲን መኸተን ውድብካ ህወሓት ዝለዓለ ክብሪ ይህብ። ሎሚን ፅባሕን እውን መልክዖም እናቐያየሩ ዝተፈለዩ ፈተናታት ክገጥሙ ከምዝኽእሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሓፂናዊ ናይ ዕላማ ፅንዓትካን ሓድነትካን ድቃስ ዝስኣኑ ሓይልታት ትምክሕትን መሻርኽቶምን፣ ኣብ ውሽጥኻ ነቓዕ ንምፍጣር ብዙሕ ሃፍቲ ብምፍሳስን ብስልጣን ብምድላልን ዕሱባት መልሚሎም ሓንሳብ ከባቢያዊ ድሕረታት ብምስርሳርን ሃይማኖታዊ ፅንፊ ብምሓዝን ፀረ ህዝቢ ሕቶታት ብምልዓልን ካሊእ ግዜ ንሰናይ ሕቶታትካ መልክዖም ብምቕያር ሓፂናዊ ስምረትካ ክዘርጉ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ቀፃሊ እውን ከምዚ ዝበለ ውዲታት ምፍሓሶም ኣይቐርን። ንስኻ እውን ከምቲ ናይ ሕሉፍ ብቕዓትካ ክርዳድ ካብ ስርናይ ብምፍላይ ከይተበዳህኻ ጉለሎም። ድሕንነትካን ሃለዋትካን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ናይ ዉሽጢን ናይ ደገን ፀላእቲ ሕንዚ ኮይንካ ብትረት ተቓለስ።
ድሕንነትካን ሃለዋትካን ዝሕሎ ብትገብሮ ኩሉ መዳይ ቃልሲ ምዃኑ ተረዲእኻ ልምዓትካ ኣጠናኺርካ ቀፅል፣ ፀረ-ልምዓት ዝኾኑ ኣታሓሳስባታትን ተግባራትን ተቓለስ፣ ሃፍትኻ ብስርዓት ኣመሓድር፣ ቆጥብ፣ ጥሪትካን ሃፍትኻን ኣይተባኽን፣ ሰላምካ ሓሉ፣ ከባቢኻ ባንዳ ከይረግፃ ከምቲ ናይ ቀደም ብንቕሓት ተኸታተል፣ ተወዲብካ ኩሉ ዓይነት ቃልስኻ ኣጠናኽር፣ ንእትገብሮ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ውድብካ ህወሓት ኣብ ጎንኻ ኣሎ። ንኹለ መዳይ ቃልሲኻን ፅንዓትካን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዘለዎ ዝለዓለ ክብርን ናእዳን ብምግላፅ፤ ንዝበለፀ ቃልሲን ዓወት ክትዳሎ ፃውዒቱ የቕርብ።
ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት
ኣቲናዮ ዘለና ምዕራፍ መኸተ፣ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ብመልክዑን ትሕዝትኡን ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ። በቲ ሓደ ገፅ እቶም ምሳና ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣሓት ውድባት ብዝፈፀምዎ ታሪኻዊ ጥልመት ናይ ሓባር ውዳበና ዝነበረ ኢህወዲግ ብፀረ ዲሞክራሲን ዘይሕጋውን መንገዲ ብምፍራሱ ምኽንያት ህወሓት ኣብ ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ መስመሩ ጠጠው ዝበለሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ልዕሊ እዚ መስመር ዝመፅእ ናይ ደገን ዉሽጥን ፈተናታት ናባና ዘቕንዕ ምዃኑ ተረዲእኹም ንምምካት ከምቲ ክሳብ ሕዚ ዝገበርክምዎ ንቐፃሊ እውን ተሪርኩም ተቓለሱ። በቲ ካሊእ ገፅ ኣብ ክልልና ዝጀመርናዮም ኣጀንዳታት ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲ፣ ምርግጋፅ ፍትሕን ሰናይ ምም/ርን ንምዕዋት ብግዜ የለን መንፈስን ንዝነበሩ ጉድለታት ብዘካሓሕስን ዙርያ መለሽ ርብርብ ንኽትገብሩ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት፣ ጉድኣት ኩናት፣ ተጋደልትን ነባር ዓቕምታት ቃልስናን

ብዝኸፈልክምዎ ከቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገፀ ሰላም ብምዝራጉ፣ ልምዓት ብምኹላፉን፣ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑን ዝለዓለ ቁጠዐ ከምዝፈጠረልኩም ውድብኩም ህወሓት ይኣምን። እዙይ ብምዃኑ እውን በታ ዝተረፈት ኣካልኩምን ዕድሜኹምን ነዚ ስርዓትን መስመርን ንምሕላዉ ዘለኩም ፀገማት ንጎኒ ኣፅኒሕኹም ብዘይምንም ዕረፍቲ ትቃለሱ ኣለኹም። ንቕድሚት እውን ከምቲ ሕሉፍ ተወዲብኩም ካብ ምምካት ካሊእ መማረፂ የለን። ስለዝኾነ ነቲ ዘጋጥመና ዘሎን ከጋጥመና ዝኽእልን ፈተና ልክዕ ከም ትማሊ ውህሉል ዓቕምኹምን ልምድኹምን ብምጥቃም ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ውድብኩምን ጠጠው ብምባል ዳግም ታሪኽ ክትሰርሑ ውድብኩም ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይ

ኩነታት ምስተፈጠረ ኣያታትኩም ከይትጠልሙ፣ ዝብል ረዚን ሓደራ ኣፅኒዕኹም ምኽንያታዊ ቃልሲ ብምክያድኩም ንትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ሚዛን እዛ ሃገር ንምልዋጥ ዘሕብን ቃልሲ ተካይዱ ኣለኹም።ዘለኩም ፀገማት ንጎኒ ኣፅንሕኹም ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ተሪር ተጋድሎ ተካይዱ ኣለኹም ። ኣብ ልዕሊ ናይ ኣያታትኩም ታሪክ ሓዱሽ ወርቃዊ ታሪክ ተመዝግቡ ኣለኹም። ክሳብ ሕዚ ንዝገበርክምዎ ዕውት ቃልሲ ውድብኩም ህወሓት ዝለዓለ ናእዳ ኣለዎ። ንቕድሚት እውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ንምዝራግ ዝዉጠኑ ሽርሕታት ብንቕሓትን ስጡም ውዳበን ከም እተፈሽልዎ ኣይንጠራጠርን።ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ጠጠው ኢልኩም ንመኸተ ትገብርዎ ቃልሲን ኩለ መዳይ ፀገማትኩም ንምፍታሕን ኣብ ዝግበር ርብርብ ውድብኩም ህወሓት ኣብ ጎኒኹም ከምዘሎ ከረጋግፀልኩም ይፈቱ።

ዝኸበርክን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ድርብ ፃውራ ተሓንጊጥክን ታሪኽ ዘይርስዖ ፅንዓት ኣርኢኽን ተዓዊትክን ኢኽን። ኣብ ምህናፅ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ልምዓትን እውን ተደጋጋሚ ዘኹርዕ ታሪኽ ኣመዝጊብክን ኢኽን። ሕዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መኸተ እውን ብዝለዓለ ሕራነን ትብዓትን ሓራሳት ነብሪ ኮይንክን ትምክታ ኣለኽን። ክሳብ ሕዚ ንዝገብርክንኦ ቃልሲ ውድብክን ህወሓት ዝለዓለ ናእዳ የቕርበልክን። ንቐፃሊ ኣብ ዝግበር ኩለ መዳይ መኸተ እውን ዳግም ታሪኽ ከም እትሰርሓ ኣይንጠራጠርን። ዘለውኽን ኩለመዳይ ፀገማት ብዝለዓለ ትኹረት ሓቢርና ከም እንፈትሖ ውድብክን ህወሓት ከረጋግፀልክን ይፈቱ።

ዝኸበርኹም ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ትግራይ

ኣብ ዝተገበረ ፀረ ድኽነትን ድሕረትን ቃልሲ እጃምኩም ዝለዓለ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ኣብ ምብዳህ እውን ሙሉእ ሓላፍነት ወሲድኩም ብፍልጠትኩምን ሃፍትኹምን ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ውድብኩም ጠጠው ብምባል ንትገብርዎ ዘለኹም መኸተ ዘለና ዝለዓለ ክብርን ናእዳን እናገለፅና ንቕድሚት እውን ዘለው ዕድላት መዝሚዝኩም ናብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምቕያርን፣ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብፅንዓት ኣብ ምምካት ብዝለዓለ ደረጃ ንህዝብኹም ክተወፍዩ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ ትነብሩ ተወለድቲ ትግራይ

ኣብቲ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ውድብኩም ህወሓትን ብምስላፍ ብፍልጠትኩም፣ ብገንዘብኩምን ሙሉእ ሂወትኩም ብምህጋርን ዘይርሳዕ ቅያ ሰሪሕኹም ኢኹም። ድሕሪ ምዝዛም ዕጥቃዊ ቃልሲ እውን ኣብ ትግራይ ዙርያ መለሽ ልምዓትን ሰላምን ክረጋገፅ ካባኹም ትፅቢት ዝግበር ኩሉ እናበርከትኩም ፀኒሕኹም ኢኹም። ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝፈፀምክዎ ታሪኽ ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ገጢምዎም ንዘሎ ፈተና ኣብ ምብዳህ ብዘይምንም ኣፈላላይ ብፅንዓት ትቃለሱ ኣለኹም።ክሳብ ሕዚ ንዝገበርክምዎ ኩለመዳይ ፅንዓትን መኸተን ውድብኩም ህወሓት ዘለዎ ምስጋና እናገለፀ ንቐፃሊ እውን ነቲ ዝጅመርክምዎ ቃልሲ ናብ ልዑል ብርኪ ብምስግጋር ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ተሰሊፍኩም ክትምክቱ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ የቕርብ።

ዝኸበርኩም ተናሓናሕቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ክልልና

ተናሓናሕቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ክልልና ውፅኢት 11 ለካቲት ምዃንኩም እትርድእዎ ሓቂ እዩ።ኣብ ክልልና ንዝረጋገፅ ሰላም፣ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስን ተበርክትዎ ኣስተዋፅኦ ቀሊል ከምዘይኮነ ንርዳእ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ፈተና ንምብዳህን ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ትቃለሱ ዘለኹም ውድባትን ማሕበራትን ህወሓት ዘለዎ ናእዳ ዝለዓለ እዩ። ንቐፃሊ ኣብ ዝግበር መኸተ እውን ብዝኾነ ዓይነት ሸፈጥን ምትላልን ከይተበዳህኹም ኣብ ጎኒ ህዝብኹም ጠጠው ብምባል ሓላፍነትኩም ብተግባር ክተረጋግፁ ፃውዒትና ብምቕራብ ንትገብርዎ ቃልሲ ህወሓት ከምዝድግፍ ክንገልፀልኩም ንፈቱ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊስትን

ልምዕቲ፣ ዲሞክራሲያዊት፣ሰላማ ዝተሓለወ፣ ልኣላዉነታ ዝተኸበረን ማዕርነት ህዝብታት ዝተረጋገፀላን ሃገር ንምምስራት ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ እትርድእዎን ታሪኽ ዘይርስዖን እዩ። ብከቢድ መስዋእቲ ዝተረጋገፀ ልዕልነት ሕጊ፣ ሰላምን ፌደራል ስርዓትን ተጣሒሱ ሃገር ኣብ ሓደጋ ብተና ወዲቓ ኣላ። ቀፃልነት ሃገርናን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓትናን ዝረጋገፅ ድማ ሕገ- መንግስታዊ ስርዓት እንትኽበር ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ሕገ መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓትን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝጀመርክምዎ ቃልሲ ብምጥንካር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብሓባር ከም ንሰርሕ ህወሓት ደጊሙ ከረጋግፀልኩም ይፈቱ።

ዝኸበርኩም ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና

ብሓባር ብዝገበርናዮ ቃልስን ዝተኸፈለ መስዋእትነትን መላእ ብሄር ብሄረ- ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብማዕረ ናይ ምስታፍን ምጥቃም ዕድልን ኣረጋጊፅና ኢና። ይኹን እምበር ብቓልስኹም ዝተረጋገፀ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ምፍራስ ሕገ- መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓትን ናብ ብተና ሃገርን ህልቂትን ዘምርሕ ከምዘሎ ብተግባር ንሪኦ ኣለና። ስለዝኾነ ኣብ ምድሓን ሕገ-መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓትን ከም ቀደምና ሓቢርና ክንቃለስ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዋግዮምን ተጋግዮምን ከምዘይፈልጡ ትርድኦ ኢኻ። ሓቢርና ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ደምሲስና ናይ ሓባር ዓወት ጨቢጥና ኢና። ምኽንያት ቃልስኻ ዝነበረ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል ኣረጋጊፅካ ኢኻ፤ በዙይ እውን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሕቡናት እዮም።ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ዘይተደለየ ኩናትን ጎንፅን ኣቲና ኩልና ዘየድሊ ዋጋ ከፊልና ኢና። እዚ ዝፈጠሮ በሰላ ቀሊል ከምዘይኾን ኩልና እንርድኦ ሓቂ እዩ። ሕዚ ግን ናይ ሓባር ረብሓናን ታሪኻዊ ዝምድናናን ብምሕዳስ ሓበራዊ ዕቤት ናብ ምርግጋፅ ክነሰጋግሮ ህወሓት ደጊሙ ይፅውዕ።

መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰዉኣትና!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

ለካቲት 2012ዓ/ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.