ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢ መልካ ጉባ ብዝተኻየደ ወፍሪ እቲ ከባቢ ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናፃ ምግባሩ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ደቡብ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ወረዳ ጉሚ ኤልዴሎ ከባቢ መልካ ጉባ ብዝተኻየደ ወፍሪ እቲ ከባቢ ካብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ናፃ ምግባሩ ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ደቡብ ኣፍሊጡ።
በቲ ዝተገበረ ወፍሪ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስቓይ እንተብፅሕ ካብ መንጎ ዝነበሩ ጉጅለ ዕጡቕ ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ከምዝተደምሰሱ ተገሊፁ።
ኣተሓባበራ ደጀንን መራሒ ኦፕሬሽንን እቲ እዚ ኮለኔል ግርማ ኣየለ፥ በቲ ኲናት ልዕሊ 200 ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ከምዝተቐተሉ፣ ልዕሊ 100 ምቑሳሎምን 22 ከምዝተማረኹን ገሊፆም።
ካብ መንጎ እቶም ዝተደምሰሱ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝርከብዎም ምዝራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።