Fana: At a Speed of Life!

ብኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ተንዳሆ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ተንዳሆ ዑደት ገይሩ።

እቲ ፕሮጀክት ሰነ 2007 ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ 60 ሺህ ሄክታር መሬት ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎን እቲ ግድብ 1 ነጥቢ 86 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ክሕዝ ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ መንግስቲ ብዝተሰለዐ 8 ነጥቢ 58 ቢሊየን ብር ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ከምዝኾ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዑደት ግድብ ተንዳሆን ምስ ግድብ ዝተተሓሓዝነት ዘለዎም ውዳበታት መስኖ ዘድልዮም ፅገና ንምግምጋምን 2 ሺሕ 500 ሄክታር ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎን ብ433 ሚሊየን ብር ኣብ ምህናፅ ዝርከብ ሪሃብሊቴሽን ብሎክ መስኖ ፒሲ-16 ተንዳሆን ስራሕቲ ፅገና ዳይክ ምክልኻል ሓደጋ ውሕጅን ዝርከቡሉ ብርኪ ንምግምጋም ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ዲኤታ መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ዶክተር እንድርያስ ጌታን ዶክተር ብርሃኑ ሌንጂሶን ከምኡ እውን ዝምልከቶም ሓለፍቲ ቢሮ ክልል ዓፋር ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.