Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ንዋየ ንያቶም “ኢንቨስት” ንምግባር ባህጊ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ንዋየ ንያቶም ኢንቨስት ንምግባር ባህጊ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

እቶም ሰብሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት እኹል ግንዛበ ንክረኽቡን  ንዋየ ንያቶም “ኢንቨስት” ንምግባርን ድልየት ከምዘለዎም ኢዮም ገሊፁም።

ኣብ ጃፓን ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ “ኢንስፓየር ኣፍሪካ” ብዝተብሃለ ማሕባር ብምትብባር እቶም ሰብ ሃፍቲ ዝዕድም ሴሚናር ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ሴሚናር፥ ብልምዓት ማይ፣ ህንፀት፣ ኢንዳስትሪ መድሓኒት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቴክኖሎጂ ዝተወፈሩ 6 ኩባኒያታት ሰብ ሃፍቲን ኣመራርሓን ተሳቲፎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ንግዲ፣ ጨርቃ መርቂ፣ መድሓኒት፣ ዕደና፣ ኣይሲቲን ካልኦት ዓውዲታት ኢንቨስትመነትን ብፍላይ ኣብ ሕርሻን ምቅንብባር ፍሪያትን እንንተዋፊሮም ዝሓሸ ረብሓ ከምዝረኽቡ ተዛርዚሩ ምቕራቡ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.