Fana: At a Speed of Life!

ረቀቕቲ ሕጊታት “ኤች ኣር 6600” ን “ኤስ 3199” ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ግዝኣት ኒው ጀርሲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቀቕቲ ሕጊታት “ኤች ኣር 6600” ን “ኤስ 3199” ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ግዝኣት ኒው ጀርሲ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ ትማሊ ዝተኻየደ እነትኸውን፥ ፊት ንፊት ቢሮ ኣርቃቒ ሕጊ ሴናተር ሮበርት ሜኔንዴዝ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

“እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጎድኡ ኢዮም”፣ ማዕቐብ ይቐትል እንበር ምንም ኣይቐይርን”፣ ረቀቕቲ ሕጊታት “ኤች ኣር 6600” ን “ኤስ 3199” ይሰረዙ ዝብሉ መልእኽቲታት ከምዝተመሓላለፉ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ “ሮበርት ሜኔንዴዝ ግብረ ራዕዲታት ምድጋፍ ደው የብሉ”፣ “ሜኔንዴዝ ዘርቀቕዎ ሕጊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝጎድእ ኢዩ”፣ “ኣብ ምርጫ ሴኔት ንሮበርት ሜኔንዴዝ ድምፂ ኣይንህብን” ን “ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝጎድእተግባር ዝንቀሳቐሱ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ምርጫ በድምፂ ክንቀፅዖም ኣለና” ከብሉ እቶም ሰልፈኛታት ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.