Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በዓል ተተሓሒዙ ገበናት ከይፍፀሙ ምድላው ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ፖሊሰስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ በዓል ትንሳኤ ተተሓሒዙ ኣብ በዕዳጋን ካልኦት ከባቢታትን ገበናት ከይፍፀሙ ምድላው ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኮሚሽን ፖሊሰስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ÷ ብፍላይ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖም ማእኸላት ዕዳጋ ሓዊሱ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ገበናት ከይፍፀሙ ኣድላዪ ክትትልን ሓለዋን ከምዝግበር ገሊፆም።

ኣብ እዋን በዓላት ብዙሕ ዕድጊት ስለዝካየድ ናይ ሕሶት ኖታት ብር ኣብ ዕዳጋ ክብተኑ ስለዝኽእሉ ሕብረተሰብ ከይታለል ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ብምሕባር ሕብረተሰብ እውን ዘጠራጥሩ ኖታት ብር እንትዕዘብ ንፖሊስ ሓበሬታ ክህብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረተሰብ ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ንኽረጋገፅ እናገበረ ዝርከብ ሓገዝ ልዑል ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ እዚ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝኾነ ይኹን ዘጠራጥር ተግባር ገበን እንተጋጥም ብኣካል ይኹን ብስልኪ ቁፅሪ 011-1- 11-01-11 ከምኡ እውን ናፃ ስልኪ 991 ብምጥቃም ሓበሬታ ምሃብ ከምዝከኣል ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.