Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝተውፃእፅኡ ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክቶሬት ጄኔራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝተውፃእፅኡ ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂቦም።

እቶም መኮንናት ኣብ ኮሌጅ ብሄራዊ ምክልኻል ሃገር ታኒዛኒያ ስልጠና ዝከታተሉ ዘለዉ አነትኾኑ፥ ካብ ናይጄሪያ፣ ታንዛኒያ ፣ ቡሩንዲ ፣ ዚምባብዌን ሩዋንዳን ዝተውፃእፅኡ ኢዮም ተባሂሉ።

ንባባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን እዋናዊ ኩነታትን መግለፂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘበናት ዝፀንሐ ታሪክ ርክብ ወፃኢን ዲፕሎማሲን ከምዘዐለዋ እውን ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ክልቲኣዊን ኩለመዳይን መድረኻት ዘለዋ ተሳትፎ ብዝምልከት እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝበፅሓ ዘሎ ኢፍትሓዊ ፅዕንቶ ብዝምልከት ብምብራህ፥ ናይ ኩላትና ዕድል ተመሳሳይ በምዃኑ እቲ ትጋባር ኣብ ምቅዋም ኣፍሪካዊያን በሕብረት ክሰርሑ ኣለዎም ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.