Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ንዝገበረቶ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ኣለዎ-ኣምባሳደር ተሾመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ንዝገበረቶ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ኣለዎ ክብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብን ኣብታ ሃገር ልዑል ፅዕንቶ ፈጣሪ ዝኾነን ሴንተር ፎር ቻይና ኤንድ ግሎባላይዜሽን (Center for China and Globalization) ተረኺቦም ነቲ ትካል መስረትቲን ፕሬዚዳንትን ዶክተር ሁዪኦ ዋንግንን ኣብቲ ትካል ዝርከቡ ምሁራንን ኣብ እዋናዊ ኩነታት መብርሂ ተዋሂቡ።

እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝተፈጠረ ኲናት መንግስቲ ተገዲዱ ዝኣተዎ ምዃኑን ካብ መፈለምትኡ እቲ ኲናት ንምትራፍ ልዑልን ተደጋጋሚን ፃዕሪ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኲናት ምስተጀመረ እውን መንግስቲ ኣብ ማእኸል ኲናት ኮይኑ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ብምግባር ንሰላም ዕድል ንምሃብ ልዑል ፃዕሪ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዘይተገደበ ናይ ሰብኣዊ ውሳነ ደም ምባል ተኹሲ ብምትሕልላፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሬትን ብሰማየን ንክበፅሕ ዝገብሮ ዘሎ ገሊፆም።

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ማዕቐባት ብምንባር ልዑል ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ የሕድሪ ከምዘለዉን ዓለም ለኸ ሚዲያታት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፅላም ሽም ወፍሪ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ቻይና ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ንዝገበረቶ ደገፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ኣለዎ ምባሎም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.