Fana: At a Speed of Life!

በዓል “ሆሳዕና ብኣርያም” ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶስ ተዋህዶ ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል “ሆሳዕና ብኣርያም” ብሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶስ ተዋህዶ ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ተኸቢሩ።

ሆሳእና ቅድሚ በዓል ፋሲካ ዝመፅእ 5ይ ክፋል ዓብዪ ፆም እንትኸውን÷ “ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሐዚ ኣድሕን፣ ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሐዚ ኣመዓራሪ፣ ብሽም እግዚአብሔር ዝመፅእ ብሩኽ እዩ፣ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ህፃናት ሆሳዕና ስየን ሰትን ክፀውር ዓድለኒ፣ ኦ ወዲ ዳዊት ምሳኻ ሓደ ግበረኒ፣ ኣብ ውሽጢ ሕሊናና ብርሃን ምስጋናኻ ኣብሪህኻ ኣባላትካ ክንከውን ዓድለና፣” ዝብሉ ፍታሓት ከምዘለዎ ኣቦታት እቲ እምነት የምህሩ።

ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብ በዓል ሆሳእና መራሒ ንተመራሒ ተኣዛዝነት ዘምሀረሉ ከምኡ እውን እቲ ተመራሒ ንመራሒኡ ክዳውንቱ እናንፀፈን ስየን ሰትን እናጎዝጎዘን ዘኽብረሉ በዓል ትሕትናን ፍቕርን ተገይሩ ዝውሰድ እዩ።

ሆሳእና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝባን ኣድጊ ተቐሚጡ ናብ እየሩሳሌም እንትኣቱ ብፍላይ ኣረጋውያን፤ ደቂ ኣንስትዮ፤ ደቂ ተባዕትዮ፤ መናእሰይን ህፃናትን “ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፤ ሆሳዕና ብኣርያም” ብምባል ብኽብሪ ምቕባሎም ዝዝከረሉ በዓል እዩ።

ሆሳእና ወይ ድማ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ልዑል ዝኾነ ሃይማኖታዊ ቦታ ዝወሃቦ እዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.