Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ኣዋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ባንኪ ተባሂሉ ተሓሪዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግሎባል ፋይናንስ ንመበል 29 ግዘ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2021 ዓመታዊ ብብርኪ ዓለምን በቢሃገሩን ውፅኢት ብሉፃት ባንክታት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ካብ ኣፍሪካ ደቡብ ኣፍሪካዊ “ስታንዳርድ ባንኪ” ቀዳማይ ዝበለፀ ባንኪ ተባሂሉ ክስየም እንከሎ፥ ካብ ኢትዮጵያ ድማ ባንኪ ኣዋሽ ተሓሪዩ።

እቲ መረፃ ዝተኻየደ ኣብ 150 ሃገራት ካብ ሞንጎ ዘለዋ ባንክታት እንተኾን÷ እቶም 36 ባንክታት ካብ ኣፍሪካ ዝተመረፁ ከምዝኾኑ ኣመላኺቱ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ባንኪ ኣዋሽ ኣይተ ፀሃይ ሽፈራው ንዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ባንኪ ኣብ ሞንጎ 36 ባንክታት ክኣቱ ዝኸኣለ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣሉታዊ ፅዕንቶ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ፣ ልዑል ናህሪ ዋጋ፣ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ዝመሳሰሉን ፈተናታት ተፃዊሩ ኣዝዩ ዝነኣድ ውፅኢት ከመዝግብ ብምኽኣሉ እዩ ኢሎም።

እቲ ባንኪ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ መወዳእታ 2021 ውህሉል ተቐማጢ ሒሳብ  ኤልሲ ማርጂን ሓዊሱ 107 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ጠቒሶም፡፡

እዚ መጠን ተቐማጢ ሒሳብ ኣብ ታሪኽ ባንኪ ኣዋሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ውልቂ ባንኪታት ፈላማይ ብምዃኑ ሓድሽ ታሪኽ ክፅሕፍ ከምዝኸኣለ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም፡፡

ዘይተፃረየ ትርፊ 2021 እቲ ባንኪ 5 ነጥቢ 58 ቢሊየን ብር ዝበፅሐ እንትኾን ÷እዚ ትርፊ ድማ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን እንተነፃፀር ካብ 1 ነጥቢ 39 ቢሊየን ብር ወይድማ ናይ 33 ሚኢታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ተገሊፁ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.