Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ከተማታት ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዘይደረሰይ ዝእከብ ገንዘብ ሕብረተሰብ እናማረረ ከምዝኾ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ከተማታት ብዝተፈላለዩ ስያመታት ብኣካላት መንግስቲ ብዘይደረሰይ ዝእከብ ገንዘብ ሕብረተሰብ እናማረረ ከምዝኾ ተሓቢሩ።

ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ርኢቶኦም ዝሃቡ ነበረርቲ ሻሸመኔ፣ ጅማን ካልኦት ክልላትን፥ ንልምዓት ከባቢ፣ ንሰራዊት ምክልኻል፣ ንዘኽታማት እናተብሃለ ዝተኣከበ ገንዘብ ምንም መቆፃፀሪ መገዲ ብዘይምህላዉ ንውልቀሰባት መኻዕበቲ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ቀበሌ ክሳብ ዞባ ብዘለዉ ውዳበ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን በቢግዚኡ ዝተፈላለዩ ስያመታት እናቐየሩ ገንዘብ ብዘይደረሰይ ናይ ምእካብ ከይዲ ከምዝተበራኸተ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ሱራፌል ጌታሁን ከምዝበሉዎ፥ መሰል ተግባራት እናተስፋሕፍሑ ብምምፀኦም ኣብ ህዝቢ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ፈጢሮም ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣሰራርሓ ኣብ ሕቶ ምልክት ንኸኣቱ ብምግባር ህዝቢ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ልምዓት ዝገብሮ ተሳትፎ ዘዳኽም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ሚኒስቴር እቶት ዳይሬክተር ኣገልግሎት ሕጊ ኣይተ ኣበረ ኣሰፋ፥ ብሕጊ ግቡእ ዝተነበረሎም ኣገልግሎት ክፍሊት፣ ታክሲን ግብሪን ሓዊሱ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ዝኣቱ ገንዘብ ካብ ሓንቲ ሳንቲም ጀሚሩ ብደረሰይ ንኽእከብ ሕጊ ከምዘግድድ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ቀበሌ ንወለንታ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ኣሰራርሓን ሕጊን ግን የለን ኢሎም።

ብበላይ ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.