Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መርሃ ግብሪ “ፃውዒት ካብ ዒድ ናብ ዒድ ናብ ሃገር” ንምስታፍ ኣጋይ የኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ “ፃውዒት ካብ ዒድ ናብ ዒድ ናብ ሃገር” ንምስታፍ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሚሩ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ምግባር ምጅማሩ ጥምር ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ ኡስታዝ ኣቡበከር ኣሕመድን ኣባል እቲ ኮሚቴ ኡስታዝ ካሚል ሸምሱን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንምስታፍ ናብ ሃገሮም ምእታው ከምዝጀመሩ ገሊፆም።

ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብሓባር ዝተወደበ ኮሚቴ እውን ናብ ሃገር እናኣተዉ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃይማኖታዊን ሃገራዊን ግቡኦም ዝዋፅኡሎም መርሃ ግብሪታት ኣሰናዲኦም ኢዮም።

ንዝተጎድኡ ወገናት ሃገዝ ዝግበረሎም መርሃ ግብሪታት ሓዊሱ ፍሰት ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ክውስኹ ዝኽእሉ መርሃ ግብሪታት ዑደት፣ ሲምፖዚየምን ዓበይቲ ምድላዋት ኣፍጥርን ሰላትን ይርከቡዎም።

እቶም ኣሰናዳእቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘመሓላለፉዎ ምልእኽቲ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ኢትዮጵያውያን ዘለና ብዝሃነት ተኸኣኢልካ፣ ተኸባቢርካን ተሓጋጊዝካን ናይ ምንባር ክብሪታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ሓደ ዝኾነ እዋምና ነርእየሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ፤ ነቲ ፃውዒት ኣኽቢርኩም ናብ ሃገርኩም እተዉ” ክብሉ ፀዊዖም።

ብትእግስት ስለሺ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.