Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂ ሩሲያን ዩክሬንን ንዓለም ናብ ሓዱሽ ዘበን ዝሑል ኲናት ይወስዳ ኣሎ ክትብል ተርኪ ኣጠንቂቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎንፂ ሩሲያን ዩክሬንን ንዓለም ናብ ሓዱሽ ዘበን ዝሑል ኲናት ይወስዳ ኣሎ ክትብል ተርኪ ኣጠንቂቓ።

ኣቐባሊ ቃል ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እታ ሃገር  ኢብራሄም ካሊን፥ ንዓለም ናብ ሓዱሽ ዘበን ዝሑል ኲናት ይወስዳ ካብ ዘሎ ፅዕንቶ ንምውፃእ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰድ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሚዛን ሓይሊዓለም ፀብለልታ ንምውሳድን ናይ ሓፂር ግዘ ረብሓ በምስላሕን ምፍጣጠን ቅልውላው ዩክሬን የጋድዶ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ማእኸላየን ነዊሕን ግዘ ዝረአ ስትራቴጂካዊን ሰብኣዊን ጉድኣት ከምዘብፅሕ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምዝሕሓል ቱርኪ ዓራቒት ኮይና ከምዝፀንሐት ኣረዲኦም።

ከም ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ማዕቐብ ካብ ምንባር  ብገለልተኝነት ምስ ኩሎም ወገናት ብምዃን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዝቐፀለት ገሊፆም ከብል ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.