Fana: At a Speed of Life!

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን፣ ዜግነትን ወሳኒ ኩነትን “ፃውዒት ዒድ ክሳብ ዒድ” ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ተጓዓዝቲ ጊዚያዊ መምርሒ ኣውፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን፣ ዜግነትን ወሳኒ ኩነትን “ፃውዒት ዒድ ክሳብ ዒድ” ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ዘገልግል ጊዚያዊ መምርሒ ኣውፂኡ።

እቲ ኤጀንሲ ንኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ከምዝበሎ፥ ፃውዒት መንገስቲ ተቐቢሎም ናብ ዓዲ ንዝመፅኡ  ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ካብ ቪዛ፣ ዘይተሓደሰ ፓስፖርትን መንነት ካርዲ ትውልደ ኢትዮጵያዊን ብዝዛመድ ንዘቕርብዎም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ብምሃብ ዕላማ እቲ ፃውዒት ንክዕወት እቲ መምርሒ ተዳሊዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኤምባሲታት ነዚ በምግንዛብ እቶም ዳያስፖራ ዘልዕልዎም ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ምሃብ ንክከኣል እቲ ጊዚያዊ መምርሒ ከምዝወፅአ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.