Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር መካተቲን ኣሳታፊን ምግባር ንምዕት ዝተሓሰበ ብሄራዊ ምርድዳእ ዓብዪ ግደ ይጻወት – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዓቢዩ ሓደራን ሓላፍነትን ኣለዎ ክብሉ ሙሁራት ፖለቲካ ሳይንስ ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካን ዶክተር ባምላክ ይደግ፥ ብሄራዊ ምርድዳእ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ልዝብ ቆራፅነት ፖለቲከኛታትን ልሂቃንን ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ተመራማሪትን ሙሉነሽ ደሴ ብግደአን፥ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር መካተቲን ኣሳታፊን ምግባር ንምዕት ዝተሓሰበ ብሄራዊ ምርድዳእ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ንእትገብሮ ብሄራዊ ምኽክር ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ትምህርቲ ክኾኑዋ ዝኽሉ ተሞክሮታት ካብ ጎረባብቲ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን ፣ቱኒዚያ፣ ሴኔጋልን ካልኦትን ምቕሳም ከምትኽእል እቶም ሙሁራን ገሊፆም።

ከይዲ እቲ ምኽክር ዕዉት፣ ተኣማናይ፣ ቅቡልን መካተቲን ንኽኸውን ድማ ካብ መንግስቲ ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናፃ ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብሙሓመድ ዓሊ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.