Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንምዕራባውያን ኣተሓባቢራ ናብ ዩክሬን ትልእኾ ቀረብ ኣፅዋር ጠጠው እነተዘየቢላ ስጉምቲ ከምትወስድ ሩሲያ ኣጠንቂቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንምዕራባውያን ኣተሓባቢራ ናብ ዩክሬን ትልእኾ ቀረብ ኣፅዋር ጠጠው ዘይተብል እንተኾይና ስጉምቲ ክወስድ ኢየ ክትብል ሩሲያ ኣጠንቂቓ።

ምክትል ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ ሰርጌይ ራያብኮቭ፥ ኣሜሪካ ናብ ዩክሬን ኣፅዋራት እናለኣኸት ምዃና ሃገሮም ከምዝፈለጠት ኣፍሊጦም፡፡

ሰርጌይ ራያብኮቭ፥ ኣሜሪካ ናብ ዩክሬን ካብ ትልእኾ ቀረብ ኣፅዋር ብተወሳኺ እንግሊዝ ሓዊሱ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራ ብኣተሓባባራይነት ኣሜሪካ ቀረብ ኣፅዋር ምልኣኸን ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ “ቻናል ዋን” ኣብ ዝተብሃለ ብጄራዊ ጣያ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ከምዝሓበሩዎ፥ ኣሜሪካ ንብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ኣተሓባቢራ ናብ ዩክሬን ብዙሕ ቀረብ ኣፅዋር እናለኣኸት ትርከብ።

“እዚ ኣካይዳ ሓደገኛ ኣካይዳ ከምዝኾነ ንኣሜሪካ ነጊርና ኣጠንቂቕና ኢና፤ ድሕሪ ሕዚ ድማ ኣሜሪካ ካብ ትባራ ዘይትቑጠብ እንተኾይና ነቲ ቀረብ ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ስጉምቲ ምውሳድ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ጀሚሩ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ብዙሓት ኢኮኖሚያዊ ማዕቐባት ብምንባር ኢኮኖሚ ንምድቃቕን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝውውር ገንዘብ ብምድኻም ምስ ትካላት ገንዘብ ዘለዋ ርክብ ንምትእጉጓል እናሰርሐት ምፅሓ ቢዝነስ ኢንሳይደር ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.