Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም ምዝገባ ካዳስተር ክካየድ ኢዩ – ኤጀንሲ ምዝገባን መረጋገፂን መሬት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም ምዝገባን እወጃ ስራሕን ካዳስተር ከምዝካየድ ኤጀንሲ ምዝገባን መረጋገፂን መሬት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ክፍሌ ገብ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ቅድሚ ሕዚ ትሕዝቶ መሬት ብካዳስተር ዘየመዝገቡ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓበሬተኦም ንዝቕፅሉ ተኸታተልቲ 15 መዓልቲታት ከዳልዉ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ምምሕዳር ከተማ ቅድሚ 10 ዓመት ጀሚሩ ትሕዝቶ መሬት ናይ ምርግጋፅ (ካዳስተር) ስራሕ እናሰርሐ እንትኸውን፥ ኣብዚ ዓመት ኣብታ ከተማ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ እንተይሓወሰ ኣብ 10 ክፍለ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ 25 ቐጠናታት ምርግጋፅን ስራሕቲ እወጃን ትሕዝቶ መሬት ከምዝስራሕ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ስራሕቲ ምርግጋፅን እወጃን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 5 ጳጉሜን 2014 ዓ.ም ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝስራሕ ተመልኪቱ፡፡

ብፈቲያ ኣብደላ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.