Fana: At a Speed of Life!

ረቀቕቲ ሕጊታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ካብ ምፅዳቕ ምድንጔዮም ከዘናግዑና ኣይግባእን – ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮ ኣሜሪካዊያን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቀቕቲ ሕጊታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ካብ ምፅዳቕ ምድንጔዮም ብዝበለፀ ተረባሪብካ ውድቂ ንምግባር ንዝግበር ፃዕሪ ጊዘ ዝህብ እንተኾነ አወን ኢድ መንግስቲ ንምጥምዛዝ ዘኽእል ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል ቤት ምኽሪ ዜጋታት ኢትዮኣሜሪካዊያን ይገልፅ።

ኣቦ መንበር እቲ ቤት ምኽሪ ዲያቆን ዮሴፍ ተፈሪ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ብገንዘብ ዝደገፉ ኣካላት እቲ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ድጋፍ ብምትእኽኻብ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ብህፁፅ ውሳነ ክወሃቦም ዝግባእ ተባሂሎም ካብ ዝተቐመጥሉ ሻምናይ ደረጃ ናብ 336 ሪጋ ተሓቢኦም ቅደም ሰዓብ ነክረኣዩ ተወሲኑሎም ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝደሊዩዎ ንክገበር ከም መፈራርሒ ክጥቀምሉ ምሕሳቦም ኢዩ ዘርእይ ኢሎም።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዳይሬክተር ማሕበራዊ ሚዲያን ዋና ዳይሬክተር ዩኒቲ ፎር ኢትዮጵያን ኣይተ ስዩም ሃብተወልድ ብግደኦም፥ እቶም ረቀቕሪ ሕጊታት ንክዝንግዑ ምግባሩ ከዘናግዑና ኣይግባእን ኢሎም።

ብኢትዮጵያዊያን ፃዕሪ ዝተረኸበ ውፅኢት እንተኾነ እወን ሙሉእ ብሙሉእ ውድቂ ምግባር ወይ ክሳብ መፃኢ ምርጫ እንተይፀደቑ ነክፀንሑ ምግባር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ሕጊታት ውድቂ ንምግባር ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተዋዲዱ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ብዝተሰሓሓተ ገንዛበ መስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝሰርሑ ዘለዉ ውሱናት ኢትዮጵያውያን ሃገር ንምድሓን ቀዳምነት በምሃብ ምቅላስ ከምዝግባኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብትእግስት ስለሺ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.