Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ብሄርተኝነት ከም ታክቲክ ህዝቢ ንምልዕዓል ይሰርሓሉ ነይሩ – ኣይተ መኰንን ዘለለው

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተጋዳላይ ህወሓትን መስራቲ ትዴፓን ኣይተ መኰንን ዘለለው፥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህንፀት ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣረዲኦም።

እቶም ፖለቲከኛ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ-ህወሓት ታክቲክና ብሄርተኝነት እንትኸውን፥ ስትራቴጂና ድማ ዲሞክራሲ ኢዩ ነይሩ ኢሎም።

እዚ ድማ ነቲ ቃልሲ ብብሄር ኣለዓዒልካ ንህንፀት ዴሞክራሲ ሃገር ዝተሓሰበ’ኳ እንተነበረ ብድሌት ውሑዳት ግን ሽቶኡ ኣይወቕዐን ኢሎም።

ነዚ ድማ ከም ምኽንያት እንተልዕሉ ቁፅሮም ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ተጋደልቲ ብሕቡእ እናተወቕዑ ይጠፍኡ ምንባሮም ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ እዋን ኢህኣፓ ነቲ ታክቲክ ከምዘይተቐበሎን ሓደገኛ ምዃኑ ኣቐዲሙ ከምዝተረድኦን ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ሐዚ ኰይኖም እንትዕዘብዎ ኢህኣፓ ትኽክል ምንባሩ የረድኡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተኣኪብካ ናይ ምምኽኻርን ብዛዕባ ፀገም ህዝብኻ ናይ ምዕላልን ባህሉ ኣጥፊእሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ መኰንን፥ ሐዚ ንሕና ንዕኡ ኢና ንቃለስ ዘለና ድማ ይብሉ።

ከም ምኽንያት ድማ “ካብ ህወሓት ዝወፅአ ዳርጋ ካብ ባሕሪ ከምዝወፅአ ዓሳ ኢዩ” እናተብሃለ ሰብ ዝተፈለየ ሓሳብ ሒዙ ንከይመፅእ ተዓፊኑ ምንባሩ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ተቐማጢ ትግራይ ኮይንካ ንዕኦም ተቓዊምካ ምንባር ከምዘይከኣል ኣልዒሎም።

ሐዚ ነዚ ኣተሓሳስባ ኣብ ምፍራስ ምስ እንቃለስ መንግስቲ ክተሓባበረና ይግባእ ክብሉ ድማ ፀዊዖም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ መጀመርትኡ ጀሚሩ ደጋፊ ለውጢ እዩ ዝበሉ ኣይተ መኰንን፥ ነዚ ሓሳቡ ንከቐፅል ኣብ ምግባር ግን ብወገን መንግስቲ ሸለልትነት ብምንባሩ እቲ ህዝቢ ካብ ኢድ ህወሓት ክወፅእ ዘይምኽኣሉ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ካብ ትግራይ ወፃእ ንዘሎ ተወላዲ ትግራይ ሓብሒቡ ንክሕዞን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ድማ ኣድላይ ዘበለ ደገፍ ንክገብረሉን ምዒዶም።

ብጌታቸው ኣለሙ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.