Fana: At a Speed of Life!

ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ንዘእትዉ ኢትዮጵያውያን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ንዘእትዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ሚነሲስቴር ገንዘብ ምኽባር ናብራ ንምርግጋ ዘይቲ፣ ሰርናይ፣ ሽኮር፣ ፀባ ህፃናትን ሩዝን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሸርፊ ወፃኢ ብኮሚሽን ጉምሩክ ንኸኣትዉ ምውሳኑ ስዒቡ፥ ናይዚ ዕድል ተረባሕቲ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርግሑነወ ኣድላዪ ምድላው ምግባሩን ምክትል ኮሚሽነር ተገዛኣይነት ሕጊ ኣይተ ሙሉጌታ በየነ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ዝዋፈሩ ኣካላት ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኮሚሽን ጉምሩክ ፍቓድ ከምዝወሃቦም ብምሕባር፤ ፍቓድ ምስረኸቡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኮሚሽን ዝርከቡን ዝተመረፁ 18 ጨንፈር ቤት ፅሕፈታትን ኣቢሎም ክተኣናገዱ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም፡፡

ፍቓድ ንምርካብ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ምዃኖም ዘረጋግጽ መረዳእታ ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ከቕርቡ ከምዝግበኦም ምሕባሮም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.