Fana: At a Speed of Life!

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ኢና – ኣምባሳደር ተርኪ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ኢና ክብላ ኣምባሳደር ተርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያፕራክ ኣልፕ ገሊፀን።

እተን ኣምባሳደር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርኡ ዑደት፥ ፋና የቴሌቪዥን፣ ማእኸል ምትሕልላፍ ኤፍ ኤም 98 ነጥቢ 1ን ካልኦት መራኸብቲን ተዘዋዊረን ርእየን።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ፋና ኣብ ሚዲያ ኢንዳስትሪ ኢትዮጵያ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ንማሕበረሰብ ተበፃሒ ኣብ ምግባር ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕ ሚዲያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ትካል ዘሀድሱን ዘምህሩን ፕሮግራማት ብኹሎም መራኸብቲ ኣማራፅታት ንሰዓብቲ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ንስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ትኹረት ገይሩ ከመዝሰርሕ ኣረዲኦም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ንዓለም ከረድኡ ምስ ዝኽእሉ ስራሕቲ ሚዲያ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ዓሙይቕን ሰፊሕን ልምዲ መስ ዘለዎም ሃገራት ርክብ ብምፍጣር ልምዲታት የኻዕብት ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እተን ኣምባሳደር ኣብቲ ትካል ዑደት ምግባረን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ኣብ ሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ስልጠና፣ ልምዲ ልውውጥ፣ ደገፍ ቴክኒክን ካልኦትን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ትሕዝቶ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ኣቤል ኣዳሙ ብግደኦም፥ ፋና ቴሌቪዥን፣ ራዲዮን ዲጅታል ሚዲያን ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማህበራዊን ጉዳያት ተኣማኒ፣ ሚዛናዊን እዋናዊን ሓበሬታታት ንህዝቢ የብፅሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ያፕራክ ኣልፕ፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን መራኸብቲ ኣማራፅታትን ብምጥቃም ነህዝቢ ተኣማኒ፣ ሚዛናዊን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምውዛዕ ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢደን።

ፋን ኣብ ዝሃነፆ ማእኸል ሚዲያ ዘሎ ብርኪ ቴክኖሎጂን ፅርየትን ብምንኣድ፥ ኣብ ምስንዳእ ትሕዝቶ እውን ዘሎ እወንታዊ ስራሕቲ ንክቕፅል ሓቲተን።

ተርኪን ኢትዮጵያን ዝፀንሐ ርክብ ከምዘለወን ምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብዝበለፀ ንምትእስሳር ከምዝሰርሓ ተዛሪበን።

ብመላኩ ገድፍ

 

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.