Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ማእኸል መእዘዚ ጦር ውሽጢ ምድሪ ዩክሬን ብሚሳኤል ኣዕኒያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ክልል ዶኔስክ ዝርከብ ማእኸል መእዘዚ ጦር ውሽጢ ምድሪ ዩክሬን ብኪንዝሃል ሚሳኤል ከምዘዕነወቶ ሚኒቴር ምክልኻል ሩሲያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ክልል ዶኔስክ ዝርከብ ማእኸል መእዘዚ ጦር ውሽጢ ምድሪ ዩክሬን ብኪንዝሃል ሚሳኤል ዓኒዩ ኢዩ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኢጎር ኮናሼንኮቭ፥ ዒላማታት ዩክሬን ብሮኬታት ከምዝተወቕዑን ኣብ ዶኔስክ ጥቓ ሰፈር ቻሲቭ ያር ዝርከብ ማእኸል መእዘዚ ጦር ዩክሬን ካብ ኣውሮፕላን ብዝተተኮሰ ሚሳኤል ከምዝዓነወን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዶኔስክ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 300 ዝኾኑ ሓይሊታት ዕጡቓት ዩክሬን ካብ ውግእ ወፃኢ ከምዝኾኑን ሱክሆይ ሱ-27 ዝተብሃለት ጦር ኣውሮፕላን ዩክሬን ከምዝተወቕዐትን እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ወሲኾም ምሕባሮም ኣናዶሉ ፀብጺቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.