Fana: At a Speed of Life!

ንረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤች ኣር 6600’ን ‘ኤስ.3199’ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሎስአንጀለስ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤች ኣር 6600’ን ‘ኤስ.3199’ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ ሎስአንጀለስ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ ተኻየዱ ዘሎ፥ ኣብ ፊት ንፊት ቢሮ ንረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤች ኣር 6600’ ዘዳለዉ ኣባል ኮንግረስ ካሊፎርኒያ ብራድ ሼርማን ኢዩ፡፡

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን፣ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን፥ “እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ዝጎድኡ ስለዝኾ ክፀድቁ ኣይግባእን” ክብሉ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ሕጊታ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝጎድእ ከምዝኾነን ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝሕሉ ከምዘይኾነ እውን ገሊፆም።

እቶም ሰልፈኛታት ረቀቕቲ ሕጊታት ‘ኤችኣር 6600’ን ‘ኤስ 3199’ ጎዳእቲ ስለዝኾኑ ክስረዙ ይግባእ ኢሎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.