Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ሰሙሮቢ ገልዐሊ ብዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 160 ኣባይቲን ሹቓትን ዓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ሰሙሮቢ ገልዐሊ ብዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 160 ኣባይቲን ሹቓትን ከምዝዓነዉ ምምሕዳር እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ሓሰን ሃንዲ፥ እቲ ሓደጋ ባርዕ ትማሊ 10 ሰዓት ድሕሪ ቀትሪ ሃንደበት ካብ መሸጢ ቤንዚን ብዝተወለዐ ባርዕ ምኽኒያት ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዚ ድማ ልዕሊ 160 ኣባይቲን ሹቓትን ዓኒዮም ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ሓደጋ ከምዘየለ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ልዑል ንፋስ ምንባሩን ሕፅረት ማይ ብምህላዉን እቲ ባርዕ ብህፁፅ ንክስፋሕፋሕ ምግባሩ ሓቢሮም።

እቶም ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት ኣብ ቀፃሊ ኣድላዪ ደገፍ ንክግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል መራኸቢ ሓፋሽ ዓፋር ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.