Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 108 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 108 ሚሊየን 2014 ሺሕ ብር ዝግመቱ ዋጋ ዘለዎም ኣውቲን ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝገበሮ ክትትል 99 ሚሊየን 386 ሺሕ ብር ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 8 ነጥ 8 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ወፃእቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ተታሒዞም፡፡

ኣብ ምቁፅፃር ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ቀዳማይ ብርኪ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ድሬድዋ ፣ ኣዲስ ኣበባ ኤርፖርትን ጅግጅጋ ከምዝኾኑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩኽ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኣባላት ፖሊስ ክልላትን ሕብረተሰብን ብዝገበሩዎ ሓራዊ ፃዕሪ ብፍተሻ፣ ብብርበራን ብምጥቋምን ዝተትሓዙ እንትኾኑ፥ እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 11 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.